ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ ጊዜ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ማዕርነት ጾታ ዘተኾረ ዓለምለኸ ጉባኤ ኣብ ዋና ከተማ ሩዋንዳ ኪጋሊ ተጀሚሩ።
ኣብቲ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ምስ መንግስቲ ሩዋንዳን ካልኦት ኣህጉራዊያን ዓለምለኸን ትካላት ብምትሕብባር ዘዳለዎ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጉባኤ ዝተረኽባ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውደ ማዕርነት ጾታ ተግባራዊ ክኸውን ሓልፍነት ኹሉ’ዩ፡ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘመዝገበቶ ፍጻመ’ውን ናይ ፖለቲካ ፍቃድ እንተልዩ ተአምር ክስራሕ ከምዝከአል ኣርእዩ’ዩ ኢለን።
‘ንዕንቅፋታት ማዕርነት ጾታ’ ምስ እንፍትሽ ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተዳለወ ጉባኤ ኪጋሊ ንጾታዊ ማዕርነት ክውን ንምግባር ቃል ካብ ምእታው ንዝሓለፈ ብተግባር ክግለጽ ከምዘለዎ ኣስሚሩ’ሎ።