ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ መትሓዝትን ሞትን ቫይረስኮሮና ክጎድል ምጅማሩ ሓድሽ ዝወጸ ሪፖርት ሓቢሩ


መርመራ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ደርባን ደቡብ ኣፍሪቃ
መርመራ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ደርባን ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ መትሓዝትን ሞትን ኮቪድ19 ንመጀምርያ ግዜ ክጎድል ከምዝጀመረ ሓዲሽ ሪፖርት ኣመልኪቱ።

ብኦሚክሮን ዝፍለጥ ራብዓይ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ካብ ዝመጽእ ንድሓር፡ ቁጽሪ መትሓዝቲ ብ20% ክጎድል ከሎ፡ ቁጽሪ ሞት ድማ ብ8% ክጎድል ከምዝጀመረ እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝወጸ ሓዲሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ`ሎ።

እቲ ምጉዳል ውሑድ`ኳ እንተኾነ፡ በዚ እንተቐጺሉ እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ዝተሓተ ክገብሮ`ዩ። ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ገና ወሰኽ እንተሎ`ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ግን መትሓዝቲ ኮቪድ ምጉዳሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ኣፍሪቃ ዛጊት ዝተመዝገበ መትሓዝቲ 10.4 ሚልየን ክኸውን ከሎ፡ ሞት 233 ሽሕ`ዩ።

ካብ መንጎ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ዝሞቱ 2.4% ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ፈልቂ ኦሚክሮን ካብ ዝመጽእ ዘጋጠመ ሞት 0.68% ጥራሕ`ዩ። ፈልቂ ኦሚክሮን ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 36 ሃገራት ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ኣብ 169 ሃገራት ተሓቢሩ`ሎ።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ክፍሊ ኣፍሪቃ ዶ/ር ማሺዲሶ ሞውቲ፡ እቲ ምጉዳል መወዳድርቲ ዘይብሉ`ኳ እንተኾነ፡ ኣፍሪቃ ካብቲ ለበዳ ወጽያ`ያ ንምባል ግን ገና`ዩ ትብል። ንሳ ወሲኻ እቲ ቫይረስ ምልውዋጡ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ንምውግኡ ክታበት ክበራታዕ ኣለዎ፡ ንኣፍሪቃ ዘሎ ዕድላት ምክልኻል`ውን ክሰፍሕ ኣለዎ ትብል ።

ብደረጃ ዓለም፡ ኣብቲ መጀመርታ ቁጽሪ ሞት ኣፍሪቃ ዝበዝሐ`ኳ እንተነብረ፡ ኣብ ዳሕራዋይ ክልተ እብረ ቫይረስ ግን ጎዲሉ`ዩ።

ብተወሳኺ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሕጂ`ውን ሕክምና ኮቪድ ኣብ ምርካብ ዓቢይ ጸገም ከምዘለወን`ዩ ዝፍለጥ። ዝሓለፈ ሰሙን ውድብ ጥዕና ዓለም ባሪሲቲኒብ ከምኡ ድማ ሶትሮቪማብ ዝብሃሉ ክልተ መድሃኒታት ንክወስዱ መኺሩ`ሎ። ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ክፍሊ ኣፍሪቃ ኣፍሪቃ ብክታበት ድሕሪት ዝተረፈትሉ ኩነታት ኣብ ቐረብ መድሃኒት ምድሓን ህይወት ክድገም የብሉን ትብል። ኣፍሪቃ ኣብ ክታበት ዘለዋ ደረጃ`ውን ትሑት ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ቀረብ ይዛይድ`ኳ እንተሃለወ ዝተኸተቡ ግን 10% ጥራሕ`ዮም። ኣብዚ ዓመተ 2022 ካብ 250ክሳብ 300 ሚልዮን ዝበጽሕ ዶስ ክታበት ኣብ ነብስወከፍ ወርሒ ንኣፍሪቃ ክቐርብ ምዃኑ`ውን ውድብ ጥዕና ዓለም ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG