ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪቃ ስግኣት ጸጥታ ይውስኽ'ሎ ክብል ኣዛዚ ናይ ኣመሪካ ወታሃደራዊ እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ገሊጹ


ጀነራል ስቲፈን ታውንሰንድ- ኣዛዚ ናይ ኣመሪካ ወታሃደራዊ እዚ ኣብ ኣፍሪቃ
ጀነራል ስቲፈን ታውንሰንድ- ኣዛዚ ናይ ኣመሪካ ወታሃደራዊ እዚ ኣብ ኣፍሪቃ

ናይ ኣመሪካ ወተሃደራዊ እዚ ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ኣህጉር ስግኣት ጸጥታ ይውስኽ ኣሎ ይብል። ኣዛዚ`ቲ ወተሃደራዊ እዚ ጀነራል ስቲፈን ታውንሰንድ፡ ምስ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ፔንታገን ካርላ ባብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ ካብ ጽንፋውያን ዕጡቓት ብተወሳኺ፡ ሩስያውያን ዕሱባት፡ ወተሃደራዊ ምስፍሕፋሕ ቻይናን፡ ናይ ኢራን ስግኣትን ተደማሚሩ ሻቕሎት ዝፈጥረልና`ዩ ኢሉ።

እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተመደብ ወተሃደራዊ እዚ ኣመሪካ፡ ኣብ ማሊ ዋግነር ግሩፕ ዝብሃል ዕሱባት ዕጡቓት ሩስያ ኣትዮም ኣለዉ ይብል። እቲ ኣብ ማሊ ዘሎ ጁንታ ነቲ ስርዓት ንክሕልዉ ካብ ሩስያ ከምዝዓደጎም`ውን ይጠቅስ።

እቲ ኣመሪካዊ ጀነራል "ዋግነር ኣብ ማሊ ኣሎ። ቁጽሮም ብኣማኢት ዝቑጸር`ዩ። ብወተሃደራዊ ሓይሊ`ውን ይሕገዙ`ዮም። ሓይሊ ኣየር ሩስያ`ዩ ኣገዓዒዝዎም። ዓለም ክርእዮ ዝኽእል ነገር`ዩ። እቲ ጉጅለ ድማ ኣብ`ታ ኣህጉር ከመይ ከምዝሰርሕ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ: ኣብ ሱዳን: ኣብ ሊብያ ርኢናዮም ኢና። ናቶም ስራሕ ጥራሕ`ዩ ዘገደሶም። ሕጊ ዝኽተሉ ኣይኮኑን። ሲቪላት ክቐትሉ`ዮም፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕሱ`ዮም ህዝቢ ማሊ ሰልችይዎ ውጹ ምስ በሎም`ውን ዝወጹ ኣይኮኑን ፣ ስለዚ ብዙሕ ዘሻቕለና`ዩ" ኢሉ ።

ንሱ ኣተሓሒዙ፣ ይኹን`ምበር ኣብ ኣፍሪቃ ቀንዲ ተወዳዳሪት ሩስያ ዘይኮነት ቻይና እያ ይብል።

ኣብ 2017፣ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር መስሪታ`ያ፡ ካብቲ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ዝርከበሉ ካምፕ ለሞኒር ሒደት ኪሎ ሜተራት ርሕቕ ኢሉ። ቻይና ሕጂ ናብ ምዕራባዊ ኣፍሪቃ ገጻ`ውን ትጥምት ከምዘላን ድሮ`ውን ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ መደብ ከምዘለዋ ጀነራል ስቲፈን ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ጠቒሱ`ሎ።

ብዘይካ`ቲ ብቻይና ዝግበር ወተሃደራዊ ምስፍሕፋሕ ኣብታ ኣህጉር፣ ወላ ብትሕት ዝበለ ይኹን`ምበር ናይ ኢራን ስግኣት`ውን ከምዘሎ ይገልጽ። ገለ ኣብነታት ክገልጽ ከሎ ድማ፡"ናይ ኢራን ስራሕ ምስ ስለያ ዝተተሓሓዘ`ዩ። ከምቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እንርእዮ ምንቅስቓሳት መሓውር ጸጥታ፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ`ውን ከምኡ ዓይነት ናይ ጸይቂ ምትእትታው`ዮም ክገብሩ ዝደልዩ።"

ኣብ ጅቡቲ ብሰንኪ እናወሰኸ ዝመጸ ናይ ጸጥታ ስግኣት፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ሓዲሽ ወተሃደራዊ ስርዓት ምክልኻልን ጸረ-ድሮን ኣጽዋራትን ናብ ካምፕ ለሞኒር ኣእትዩ`ሎ።

ንሶማል ኣብ ዝምልከት ድማ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ከምዘሎ ዝገለጸ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪኮም ጀነራል ስቲፈን ታውንሰንድ፡ ኣብ መዓልቲ ካብ 100 ወተሃደራት ናብ ቦትኦም እናተመላለሱ ከምዝሰርሑ ገሊጹ።

ንሶማል ዝምልከት ገንዘብን ምትዕርራይን ንምግባር ካብ ፔንታገን ውሳነ ኣብ ዝጽበይሉ እዋን፡ ኣብ ሞቓዲሾ ፖለቲካዊ ባእሲ ቀጺሉ`ሎ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ዝሰርሕ ኣልሸባብ ድማ ስግኣቱ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ጀነራል ስቲፈን ይገልጽ።

ኣዛዚ ኣፍሪኮም፡ ጀነራል ስቲፈን ታውንሰድ ምስ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ፔንታገን ካርላ ባብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ፡መጠይቕ "ስግኣት ኣልሸባብ ሕጂ`ውን ይውስኽ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ተወሳኺ ጸቕጢ እንተዘይተገይሩ፡ ኣልሸባብ ቀሊል ዘይብሃል መጥቃዕቲ ክገብር ይኽእል`ዩ። ኣብዚ ሰሙን`ዚ `ኳ ኣብ ሞቓዲሾ ርእሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኣለዉ። ስለዚ ይሰፍሑ`ለዉ ስግኣት`ውን ይውስኹ`ዮም ዘለዉ" ይብል።

XS
SM
MD
LG