ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ሓደሽቲ ተርእዮታት ቫይረስኮሮና መልኸፍቲ እንተወሰኸ: መጠን ሞት ግን ምቅናሱ ተገሊጹ


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ዝተራእዩ ንሓደስቲ ተርእዮታት ቫይረስኮሮና ደልታን ኦሚክሮንንስዒቡ ቁፅሪ በቲ ለበዳ ዝልከፉ ሰባት ይውስኽ እኳ እንተሃለወ መጠን ሞት ግን ምቅናሱ ተገሊፁ ። ሓደስቲ ቅድመ ትንበያታት እታ ኣህጉር ስጋብ 2021 መጠን ብዝሒ ክታበት ዝወስዱ 70% ዘይክበፅሕ ይኽእል'ዩ ይብል ። እዚ ድማ ናህሪ እቲ ለበዳ ክውስኽ ዓብይ ተኽእሎ ምህላው ትካል ጥዕና ዓለም ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂኡ ኣፍሊጡ ።

ኣብ ኣፍሪቃ ስጋብ 12 ታሕሳስ ቁፅሪ ብኮቪድ19 ዝተለኽፉ ካብቲ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝነበረ ብ17,000 ወሲኹ 196,000 በፂሑ ። ሓፈሻዊ ቁፅሪ ኣብዚ እዋን በቲ ለበዳ ዝተለኽፉ ሰባት 8.9 ሚልየን በፂሑ ይርከብ ። መጠን ሓዱሽ ተለከፍቲ ኮቪድ ኣብዚ እዋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ መዓልታት ብዕፅፊ ይውስኽ ምህላዉ እቲ ሎሚ ዝወፀ መግለፂ ትካል ጥዕና ዓለም ይሕብር ። ዋላ'ኳ ናህሪ ዝርገሐ እቲ ለበዳ እንተወሰኸ መጠን ሞት ግን ቀኒሱ እዩ ። እቲ መግለፂ ምስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ክነፃፀር ከሎ መጠን ሞት ብ19% ቀኒሱ ይብል ።

እዚ ንኣፍሪቃ ራብዓይ ዝኮነ ፈልቂ ኣብ ምጅማሩ ዝነበሩ ሰለስተ ሰሙናት ካብ 3000 ዝዛይድ ቀፅሪ በቲ ለበዳ ምሟቶም ተሓቢሩ እዩ ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ሳልሳይ ፈልቂ ደልታ ኣብ ዘጓነፈሉ ምስ ዝነበረ ክነፃፀር ከሎ ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ሓደሽቲ መልከፍቲ ዘጓነፍሉ እዋን ነይሩ።

እዚ ሓዱሽ አብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ፈልቂ ኣብ ሆስፒታላት ዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልታት መጠን ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመሳሳሊ መዓልታት ብ66% ክውስኽ ከሎ መጠን ልዑል ክትትል ዘድልዮም ሕሙማት ድማ ብ7.5% ቀኒሱ: 14% ካብቶም ዓራት ዝሓዙ ጥራሕ ሓገዝ ኦክስጅን ተዋሂቡዎም። ከምኡ'ውን ቁፅሪ ሞትውን ቀኒሱ ይርከብ ይኹን እምበር አብ ዝስዕቡ ሰሙናት ዝህልው ምልውዋጣት ስለዘይፍለጥ ነዚ ፀብፃብ ዝወሃቦ ትርጓመ ጥንቃቀ ዝተሓውሶ ከምዝኾነ መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለመ ይገልጽ ።

“ሞትን ዝኸበደ ሕማምን በቲ ዘለዎ ቀኒሱ ክቅፅል እዩ ተስፋና ይኹን እምበር እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝሕቱል ኩነታት ክታበት ክልቲኦም ተርእዮታት ኣዝዩ ከንህሮም ምዃኑ እዩ ዘመላኽት” ዝበሉ ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ንኣፍሪቃ ዶ/ር ማሺዲሶ ሞቲ እዮም ።

“ ከም ቤታ ፣ደልታ ወይውን ኦሚክሮን ዝበሉ ሓደስቲ ፈልቂታት በብእዋኑ ዓለ ለኸ ለበዳታት ብዝመፁ ቁፅሪ ከም ኣፍሪቃ ዝበሉ ዋህዲ ክታበት ዘለወን ከባቢታት ዝያዳ ተሃሰይቲ ምዃነን ኣይተርፍን “ ኢሎም ።

ኣብታ ኣህጉር መጠን ሽፋን ክታበት በብእዋኑ ተለዋዋጣይ ኮይኑ ቀፂሉ ይርከብ ። ትካል ጥዕና ዓለም ስጋብ መስከረም 2021 ኣብ ዝሓዞ ትልሚ ስጋብ ትማሊ 13 ታሕሳስ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራሕ እየን 10% ካብ ህዝበን ዘኽተባ ፤ሽዱሽተ ሃገራት በቲ ዓመታዊ ዝተተሓዘ ትልሚ 40% ካብ ህዝበን ከኽትባ ከለዋ ሞሪሽየስን ሲሸልስን ጥራሕ እየን እቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ዘኽእል 70% ካብ ህዝበን ሙሉእ ብሙሉእ ዘክተባ። በቲ ዘሎ ኣካይዳ እንተቀፂሉ ትካል ጥዕና ዓለም መጠን ዝተኸትበ ህዝቢ ኣፍሪካቃ አብ ግንቦት 2022 40% ኣብ ነሓሰ2024 ድማ 70% ክበፅሕ እዩ ኢሉ ይግምት።

እዚ ድማ ቀልጢፍካ ክታበት ናብ ኣፍሪቃ ክባፅሕ እንተዘይተገይሩ መጠን ዝሞቱ ሰባት ኣብቲ ዝመፅእ ሓዱሽ ዓመት ክውስኽ ይኽእል እዩ። ዶ/ር ሞቲ ብምዃኑ ኣብ መፈለምታ 2022 መጠን ክታበት ብምዕባይ ህይወት ሰባት ንምድሓን ፃዕሪ ክግበር ይግባእ ክብሉ ፀዊዖም ።

ፀብፃብ ትካል ጥዕና ዓለም ከምዘርእዮ 53 ሃገራት ኣፍሪቃ ክታበት ክህባ ምጅማረንን 264 ሚልየን ክታባታት (61%) ክታበታት ከምዝተቀበላን ይሕብር ። 70% አፍሪቃውያን ንምኽታብ 1.6 ቢልየን ተወሳኺ ክታበን ፃዕርን የድሊ ይብል ።

“ኣብዚ ሸለልተኝነት ቀንዲ ፀላኢ ዝኾነሉ እዋን ለበዳ ኢና ንርከብ “ ዝበሉ ዶ/ር ሞቲ ናህሪ ዋጋ ናውቲ ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን ንኽታበት ዕንቅፋት ክኾኑ ዝኽእሉ ከም ሕፅረት ገንዘብ መሳርሕታት፣ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕናን ዝኣምሰሉን ምስ ሕፅረት ክታበት ይርከቡዎም ።” ትካል ጥዕና ዓለም ሕፅረታት ንምምላእን ሸቶታት ክዕወቱን ፃዕሩ ይቅፅል ምህላዉ ገሊፆም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

XS
SM
MD
LG