ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍሪቃ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝያዳ ንደቂ ኣንስትዮ ይሓስይ ከምዘሎ ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ


ኣብ ኣፍሪቃ ንለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል መንግስታት ኣብ ዝወስድዎ ስጉምትታት፥ ደቀንስትዮ ዝያዳ ይጉድኣ ከምዘለዋ ተሓለቕቲ መሰላት ደቀኣንስትዮ ይገልጹ`ለዉ።

ኣብ ኣፍሪቃ ብመንግስታት ዝውሰድ ዘሎ ሰፊሕ እገዳታት ኣብ ምዕጋት ለበዳ ኮሮና ከምዝሓገዘ ሰበ-ስልጣን ጥዕና ይኣምኑ። ግን ከኣ እዚ ኣብ ገዛ ምርጋጥ ዝብል ስጉምቲ ንደቀኣንስትዮ ዝያዳ ከምዝሃሰየን`ዮም ተሓለቕቲ ይገልጹ።

ተቓላሲት መሰላት ደቀኣንስትዮ ግራቻ ሚሸል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኩነታት ደቀንስትዮ ብቐረባ ትከታተልን ባዕለን ዝነግርኣ ትሰምዕን ከምዝነበረት ትገልጽ። ንኣብነት ኣብ ናብርአን ዝተነብረ እገዳ ንስድራቤተን ንምዕንጋል ዝያዳ ተሸከምቲ`ቲ ጸገም ከም ዝኾናን ኣብ ናብራ ስድራቤተን ገዚፍ ሳዕቤን ከምዘምጽኣለንን ትገልጽ።

ግራቻ ሚሸል "ኣብ ኣፍሪቃ ኢኮኖሚና ብስሩዕ ኣይኮነን ዝመሓደር። ዝበዝሕ ምንጭ ኣታዊ ኾነ ምምሕዳር ስድራቤት ብደቀኣንስትዮ እዩ ዝካየድ። ስለዚ ናይ ድኽነት ሳዕቤን ኣብ ደቀኣንስትዮ ይሓስም። ስለዚ ነዚ ጸገማት ምርጋጥ ቫይረስኮሮና ግቡእ ግብረ መልሲ ክትህበሉ እንተኾይንካ፥ ነተን ደቀንስትዮ ናብ ማእከል ተምጽኣሉን፥ ድምጸንን ራኢአንን ትሰምዓሉን ዳግመ-ቅየሳ ክተገብር ኣለካ" ትብል።

ሚንስተር ትምህርቲ ኮይና ዘገልገለት ሞዛምቢካዊት ፖለቲከኛ ግራቻ ሚሸል፥ ካብ መንጎ ዝሃበቶ ሓሳባት ገሊኡ፥ ደቀንስትዮ ኣብ መንግስታዊ ውሳነታት ዝያዳ ድምጺ ክውሃበን፥ ኣብ ቀረባት መግቢ ዝተዋፈራ ደቀኣንስትዮ ሓገዝ ክግበረለን፥ ኣብ ዕድላት ስራሕ ምዕሩይነት ክግበር፥ ኣብ ትምህርቲ ዘሎ ናይ ጾታ-ጋግ ክጸብብ ዝብሉ ሓሳባት ይርከቦ።

እዚ ጻውዒት`ዚ በቲ ኻልእ ሸነኽ ዓለም`ውን ድጋፍ ረኺቡ`ሎ- ብኣመሪካዊት ገባሪት ሰናይ መልንዳ ገይትስ ምስ በዓል ቤታ ቢል ዝመስረትዎ Bill & Melinda Gates Foundation ተባሂሉ ዝፍለጥ ገባሪ ሰናይ ማሕበር ካብ ዓለም ዝዓበየ ናይ ብሕቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ምዃኑ ይንገረሉ።

መልንዳ ገይትስ`ውን እቲ ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ዝግበር እገዳ ኣብ ልዕሊ ደቀኣንስትዮን ቆልዑትን ሃስዩኡ እንዳተራእየ ከምዝመጸ ሻቕሎታ ትገልጽ። ሽሕ`ኳ እቲ ቫይረስ ንደቂተባዕትዮ ዝያዳ ይቐትል ከም ዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘርእዮ ኣሃዝ እንተሎ፥ ብዙሓት ደቀንስትዮ ድማ ብጎኒ ህይወተንን ናብርአንን ይስእና ከምዘለዋ መልንዳ ገይትስ ትገልጽ።

" ኣብ ግዜ ኢቦላ ኣብተን 4 ዝተሃስያ ሃገራት እንተርኢና ምስ ሞት ዝሓርሳ ኣዴታትን ዝሞቱ ቆልዑትን ዝተኣሳሰረ ስርዓት ጥዕና`ዩ ኔሩ። ሕጂ ድማ ኣብተን ብኮቪድ 19 ዝያዳ ዝተሃስያ ሃገራት`ውን ብተመሳሳሊ ኩነታት ሳዕቤናቱ ንርእዮ ኣለና።ስለዚ ኣብቲ ስርዓት-ሕክምናን ኣብቲ ንደቂኣንስትዮ ብኤኮኖሚ ክንሕግዘሉ ንኽእል መንገድን ክንርኢ ይግባእ። እንተዘይኮነ ግን ካብ ሓይሊ ሰብ ዕድላት ስራሕ እናተደፍኣ`የን ክወጻ። "

ግራቻ ሚሸል ብወገና እዚ ለበዳ ኮሮና ንደቀኣንስትዮ ናብ መሪሕነት ዘምጽአን ክኸውን ይኽእል`ዩ ትብል። ደቀኣንስትዮ ናይ መሪሕነት ለውጢ የርእያ ኣለዋ ዝበለት ሚሸል፥ ደቀኣንስትዮ ልብን ኣእምሮን ብሓንሳብ ጠሚረን ክኸዳ ከምዝኽእላ ኣብተን ብደቀኣንስትዮ ዝምርሓ ሃገራት ንኮቪድ ኣብ ምምላስ ተመስኪሩ`ዩ ኢላ። ስለዚ ናብ ማእከል ማህበረ ሰብ ናብ መሪሕነት ክነምጽአን ኣለና ትብል።

መሊንዳ ገይትስ`ውን ተመሳሳሊ እምነት`ዩ ዘለዋ- ደቀኣንስትዮ ኣብ ማሕበረሰበን ካብ ደቂተባዕትዮ ዝተፈለየ ለንስ ኣለወን ስለዚ ኣብ ሓላፍነት እንተ ኣቐሚጥካየን ንኸምአን ደቀኣንስትዮን ስድራቤታትን ዝረብሕ ፖሊሲታት ክፈጥራ ይኽእላ`የን ትብል።

XS
SM
MD
LG