ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርኸቡ ማሕበረሰብ ዲፕሎማት ብዛዕባ ድሕነቶም ዝቕረብዎ ሕቶ መልሲ ምርኻቡ ተገሊጹ


ከተማ ኣዲስ ኣበባ
ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኮኑ ማሕበረሰብ ዲፕሎማት ብዛዕባ ድሕነቶም ንምምሕዳር’ታ ከተማ ዝቕረብዎ ሕቶ መልሲ ከምዝተዋሃቦም ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ።

ዲፕሎማት ኣፍሪቃ፣ ኤስያንን ፓሲፊክን ከምኡ'ውን ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ፣ ኣብ ልዕሊ ጉዳይ’ታ ሃገር መግለጺ ከምዝተዋሃቦም ዝመጸ ዜና ጠቂሱ። ነቲ መብርሂ ዝሃቡ፣ ምክትል ከንቲባ’ታ ከተማ ኣቶ ጃንጥራር ኣባይን ሓላፊ ቢሮ ጸጥታ ዶ/ር ቀነኣ ያዴታን እዮም።

ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስፍሑ መግለጺ ዘውጽኡ ኣመሪካን ገለ ሃገራትን ንዲፕሎማት ሓዊሱ፣ ዜጋታቶም ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ ምንቅስቃስ ከምዝጀመሩ ዝዝከር እዩ ።

XS
SM
MD
LG