ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ናይ ገዛ መኻይን በብተራ ጥራይ ክንቀሳቐሳ ዝእዝዝ መምርሒ ውጺኡ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ናይ ገዛ መኻይን በብተራ ጥራይ ክንቀሳቐሳ ዝእዝዝ መምርሒ ኣውጺኡ። ብመሰረት`ቲ መምርሒ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ 19 መታን ክሕግዝ፥ ናይ ሰሌዳ ቁጽረን ብጎደሎ ዝውድእ ሎሚ፥ ብምሉእ ቁጽሪ ዝውድእ ድማ ጽባሕ እናበላ ክንቀሳቐሳ ተፈቒዱለን ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ኣብ ዝንቀሳቐሳ ኣውቶቡሳት`ውን ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ናይ ምንካይ ለውጢ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ዜና ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከምዝመጸን ካብ መወሸቢ ቦታ ከምዝሃደመን ዝዛረብ ሰብ ኣብ ደቡብ ወሎ ከባቢ ሃርቡ ኢዱ ንፖሊስ ከምዝሃበ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ውልቀሰብ ኣብ መወሸቢ ቦታ ምጽንሑ ዘረጋግጽ መረዳእታ ከምዘይተረኽበ ግን ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ጥዕና`ቲ ዞባ ይገልጽ። እቲ ውልቀሰብ ካብ መወሸቢ ቦታ ሃዲሙ ኣብቲ ኸባቢ ተሓቢኡ`ሎ ዝብል ዜና ንብዙሓት ሰባት ፍርሕን ስንባደን ኣስዒቡ ከምዝነበረ` ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ነበርቲ ከተማ ባህርዳር ድማ ህዝቢ ኣብ ምትግባር መምርሕታት ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ብዙሕ ይተርፎ`ሎ ኢሎም-። ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝነበረ በዓል ፋሲካ፡ ገለ ሓጹራት ምስተላዕለ ህዝቢ ዘርኣዮ ምንቅስቓሳት ንዕኡ ዘመስክር`ዩ ዝበሉ ነበርቲ ባህርዳር- ካልኦት ድማ ነቲ ዘሎ ክፍተት ንምምላእ መንግስቲ ኣስተምህሮታት ክጽዕቕ ይግባእ ኢሎም።


ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ከተማ ድሬዳዋ ድማ ክልተ ሰባት ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም ናብ ገዝኦም ተፋንዮም- ካልኦት ሰለስተ ድማ ዝተታሕዙ ተረኺቦም- እቶም ዝተረኽቦም ሰለስተ ሰባት ካብ ጅቡቲ ተመሊሶም ኣብ መወሸቢ ቦታ ዝጸንሑ`ዮም፥ ካብ ጅቡቲ ተመሊሶም ኣብ መወሸቢ ቦታ ዝርከቡ 574 ሰባት ውጽኢት መርመራ ይጽበዩ ምህላዎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ካብ ጅቡቲ ብዘይሕጊ ዝሰግሩ ንምቁጽጻር ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘለዉ`ውን ክፍሊ ጥዕና ድሬዳዋ ወሲኹ ኣፍሊጡ`ሎ።

Recommended

XS
SM
MD
LG