ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣውስትራልያ ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጂ 8 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ምብራቓዊ ወሰን ባሕሪ ኣውስትራሊያ ብዘጋጠመ ሓያል ዝናብ ዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ኣባይቶም ገዲፎም ክወፁ ተኣዚዞም።

ነኣሽቱ ከተማታት ብሪስበንን ሊዝሞርን ብማይ ተዋሒጠን ነበርቲ ህይወቶም ንምድሓን ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኣባይቶም ጠጠው ኢሎም ይርኣዩ።

ንውሑጅ ክትሰግር ዝተወሰደት ሓንቲ ሰበይቲ ሓዊሱ በቲ ሓደጋ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ሓቢሮም።ሰበስልጣን ንተወሳኺ ህይወት ሓደገኛ ዝኾነ ውሑጅ ክምፅእ ከምዝኽእል የጠንቅቑ ኣለው።

XS
SM
MD
LG