ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣውስትራልያ ሓሙሽተይቲ ከተማ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ክትዕጾ ተወሲኑ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኣውስትራልያ ተወሳኺት ከተማ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክትዕጾ ተገይሩ-ሰበ-ስልጣን`ታ ከተማ ድማ ኣየናይ ክሊ ዕድመ`ዩ ክታበት ኮቪድ ክረክብ ዘለዎ ኣብ ዝብል ምስ ፈደራል መንግስቲ ይሰሓሓቡ`ለዉ።

ካብ ትማሊ ሶሉስ ኣትሒዛ ክትዕጸው ተወሲኑላ ዘሎ ከተማ ኣሊስ ስፕሪንግስ ትብሃል፡ ሓደ ዝተታሕዘ ሰብ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንሰዓታት ድሕሪ ምጽንሑ`ዩ ንስለስተ መዓልታት ክትዕጾ ተወሲኑ`ላ ። ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ክዕጸዋ ተገይረን ዘለዋ ከተማታት ሓሙሽተበጺሐን ኣለዋ።

ብኻልእ ወገን ክታበት ኣስትራዘነካ ንትሕቲ 60 ዓመት ጥራይ ክወሃብ ሰበ-ስልጣን ጥዕና`ታ ሃገር ወሲኖም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚንስተር`ታ ሃገር ግን እቲ ክታበት ንትሕቲ 40 ዓመት ጥራይ ክወሃብ ኣለዎ ዝብል ሃሳብ ኣቕሪቡ- ኣብ መንጎኦም ምስሕሓብ ተፈጢሩ`ሎ።

ኣብ ኢንዶነጅያ ድማ እቲ ደልታ ዝብሃል ዓይነት ኮሮናቫይረስ ነታ ሃገር ናብ ጥፍኣት ገጹ ይደፍኣ`ሎ ክብል ቀይሕ መስቀል`ታ ሃገር ሓቢሩ።

ሩስያ ድማ ሎሚ ረቡዕ ዛጊት ዝለዓለ ኣብ ሓደ መዓልቲ 669 ሞት መዝጊባ`ላ-።

መጀምርያ ኣብ ህንዲ ዝተራእየ ደልታ-ሎሚ ኣብ 80 ሃገራት ከምዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ። በዚ መሰረት ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም-ወላ ዝተኸተቡ ሰባት ማስክ ክገብሩ የተሓሳስብ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG