ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዋሰንቲ ወረዳታት ክልል ኦሮምያን ሶማልን ብዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ 700 ሰባት ምሟቶም ሰመጉ ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ አዋሰንቲ ወረዳታት ክልል ኦሮምያን ክልል ሶማልያን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልዕሊ 700 ዜጋታት ህይወቶም ስኢኖም ክብል ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት(ሰመጉ) ኣብ ዘውጽኦ ፍሉይ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ግጭት ሓያለ ደቂ ኣንስትዮ ተደፊረን፡ ብዙሓት ኣበይ ከምዝኣተዋ ኣይፍለጥን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኸአ ናይ አካል ጉድኣት በጺሕዎም ክብል ሰመጉ ኣብቲ ፍሉይ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።

ዝበደሉ ብሕጊ ክቅጽዑ፡ ዝተበደሉ ክከሓሱ’ውን እቲ ትካል ወሲኹ ሓቲቱ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምሉእ ጸብጻብ ሰመጉ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG