ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣክሱም ዩኒቨርሲቲ ብዘጋጠመ ግጭት ሓደ ተማሃራይ ሞይቱ


ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ኣብ መንጎ ተምሃሮ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ህይወት ሓደ ተማሃራይ ምጥፍኡን ካልኦት ቁፅሮም ዘይተፈለጠ ሰባት ድማ ቆሲሎም::

ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ኣማስዮም ኣብቲ ጉዳዩ ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ህይወት ሓደ ተማሃራይ ምሕላፉ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም::

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ትማሊ እቲ ኩነታት ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ማርቆስ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ህይወት ሓደ ተማሃራይ ምሕላፉ ብምኹናን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣብታ ከተማ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም::

ፖሊስ ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሙ ከምዝበተኖም ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም:: ሓይልታት ፀጥታ ስጉምቲ ምስ ወሰዱ እቲ ህውከት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝተልዓለ እዩ ተሓቢሩ:: በዚ ድማ ሓደ ተማሃራይ ካልኣይ ዓመት እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብቲ ጎንፂ ህይወቱ ከምዘሓለፈን ካልኦት ቁፅሮም ዘይተፈለጠ ሰባት ድማ ጉድኣት ከምዝበጽሖም ተገሊጹ::

ተማሃራይ 5ይ ዓመት እቲ ዩንቨርስቲ ኣማኑኤል ኣማረ እት ዕግርግር ኣብ ዝተፈጥረሉ ህሞት ኣብ ውሽጢ ዶርም ከምዝነበረ ገሊፁ: ብፍላይ ናይ ደቂ ተባዕትዮ መደቀሲ ክፍሊ እምኒ ምድርባይ ከምዝነበረ ይዛረብ::

ኣብቲ ዛዕባ ሎሚ ተማሃሮ ምስ ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘተ ኣካይዶም እዮም:: ምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ኣብዚ ሐዚ እዋን ስራሕቲ ምርግጋዕ ንፍፅም ኣለና ኢሎም::

ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ በቲ ዕግርግር ህይወት ሓደ ተማሃራይ ምሕላፉ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ:: ነቲ ፍፃመ ድማ ዝኹነን ሕማቕ ተግባር እዩ ኢሉዎ:: ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ሰባት ድማ ናብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ ምስ ኣካላት ፀጥታ ብሓባር ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ::

ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ኣማስዮም ኣብቲ ጉዳዩ ጠሚቱ መግለፂ ሂቦም:: ህይወት ሓደ ተማሃራይ ብምኽንያት መንነቱ ምሕላፉ ከምዝሓዘኑ ገሊፆም:: ንስድራ መዋትን መሓዝቱን ብሽሞም: ብሽም ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ምጽንናዕ ተመንዮም::

“እዚ ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት ገበነኛታት እምበር ተማሃሮ ክበሃሉ ኣይኽእሉን ኢሎም:: እቲ ፍፃመ ንህዝቢ ዘይውክል ዘሕፍር ተግባር እዩ” ድሕሪ ምባል "ብውልቀይ እዚ ተግባር ኣሕፊሩኒ እዩ ከም መንግስቲ ድማ ሕጊ ክነኽብር ኢና" ኢሎም:: እዚ ተግባር ዝፈፀሙ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ እዮም ኢሎሞም:: ተማሃሮ ዩንቨርስቲ ኣክሱም ትምህርቶም ተረጋጊዖም ክመሃሩ ድማ ሓቲቶም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:

ኣብ ኣክሱም ዩኒቨርሲቲ ብዘጋጠመ ግጭት ሓደ ተማሃራይ ሞይቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:00 0:00

XS
SM
MD
LG