ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብን' ኣብ ዝጸውዖ ሰልፊ ዝተአሰሩ ሰባት ከምዘለዎ ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ኣምሓራ ኣረጋጊጹ


ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ 18 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፅዊዑ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ወልቀሰባት ከምዘለው ዘረጋገፁ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣበረ ኣዳሙ ሕጂ ግን ይፍትሑ ኣለው ኢሎም።

ንሶም ሰልፊ ኣብ ዝተፀውዐሉ ዕለት ክንስለፍ ኢና ዝበሉ ሒደት መናእሰይ ምስ ፖሊስ ብምግጫዎም ዝተኣሰሩ ምንባሮም ገሊፆም።

ነቲ ሰልፊ ዝፀውዐ ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ [ኣብን] ዝተኣሰሩ ኣባላቱ ይፍትሑ ከምዘለው ብምሕባር ዝተኣሰሩ ግን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም እናሃለው እምበር ንሰልፊ ወፂኦም ኣይኮነን ኢሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG