ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሮን መጥቓዕቲ ተፈጺሙ


ኣብ ደቡባዊምዕራብ ካሜሮን ብግጭት ዝዓነወ ኣባይቲ
ኣብ ደቡባዊምዕራብ ካሜሮን ብግጭት ዝዓነወ ኣባይቲ

ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ዝኮኑ ዞባታት ‘ታ ሃገር ዝንቀሳቀሱ ተቓወምቲ ንዝኽሪ ምጅማር’ቲ ምንቅስቃስ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸው ኣብ ዝጸውዕዎ ኣድማ ብዘይምስታፎም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መጥቓዕቲ ፈጺሞም። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተማሃሮን መማሃራንን ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ክሃድሙ ከምዝተገደዱ ተገሊጹ።

ኣብ ሓንቲ ካብተን መጥቓዕቲ ዝተፈጸመን ኣብያተ ትምህርቲ ንዳይሬክተርን ሃይማኖታዊ መራሒ እታ ቤት ትምህርቲ ምጭዋዮም ድሒሮም ነቲ ሃይማኖታዊ መራሒ ከምዝለቐቁ እንተኾነ ሃለዋት ዳይሬክተር እታ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠ ተሓቢሩ።

ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ዝኾኑ ሰሜናዊምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብ ዞባታት ካሜሮን ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ አድማ መማህራንን ሰብሞያን ካብ ወርሒ ሕዳር 2016 ጀሚሩ ምዕጻዎም ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ገለ ኣብያተ ትምህርቲ እዘን ዞባታት እንተተከፍቱ’ዃ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ኩነታት ግን ብምግዳዱ፡ ፕረዚደንት ፖል ባያ ኣብተን ዞባታት ኩናት ኣዊጆም ኣለው።

ብመሰረት ካብ መንግስቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብ ሰሜናዊምዕራብን ደቡባዊምዕራብ ዞባታት እታ ሃገር ኣብ 30 ኣብያተ ትምህርቲ መጥቓዕቲ ምክያዱን ብአሰርተታት ዝቑጸሩ መማሃራን ምሟቶም ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ካብቲ ቦታ ምህዳሞም ይሕበር።

ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ መንግስቲ ኣብዘን ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ዝኾና ዞባታት ንዘጋጠመ ኣድማ ጎነጻዊ ግብረ መልሲ ምሃቡ ነቲ ኩነታት ምግዳዱን ልዝብ ኣጸጋሚ ከምዝኮነን ይሕበር ኣሎ።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን መንግስቲ ዝተላዕለ ጎነጽ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ኣስታት 20,000 ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ።

XS
SM
MD
LG