ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣብያተ ማእሰቲ ታንዛንያ ዝጸንሑ 280 ዘይሕጋዊያን ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ታንዛኒያ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝፍትሑ ይግበር ምህላው ኣብ ዳሬ ሰላም ዝርከብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።እቲ ኢምባሲ ታንጋ ካብ ዝተባህለ ክፍለ ግዝኣት ታንዛኒያ ጥራሕ ክሳብ ፅባሕ ዓርቢ ልዕሊ 280 ኢትዮጵያዊያን ተፈቲሖም ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ገሊፁ።

እዞም ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ታንዛኒያ ዝኣተው ክኾኑ ከለው ምፍታሕ እቶም ኢትዮጵያዊያን ዝገለፁ ኣብቲ ኢምባሲ ካውንስለር ዝኾኑ ኣቶ ቴድርሶ ግርማ እዮም።

እቲ ኢምባሲ ኣቐዲሙ ኣብ ኣብታ ሃገር ልዕሊ ክልተ ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ዝገለፀ ክኸውን ከሎ ኣቶ ቴድሮስ ኣብዝሃብዎ ቃል ድማ እቲ ትኽክለኛ ኣሃዝ ንምፍላጥ ዳህሳስ ክጅምር ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG