ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ዝርጋሐ ኮቪድ 19 ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ


ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ፣ ቫይረስ ኮሮና ብብዝሒ ይረአ ከምዘሎን አብ ጽቅጥቅጥ ዝበዝሖም ኣብያተ ማእሰርቲ’ታ ሃገር ብናህሪ እቲ ቫይረስ ክጋፋሕ ከምዝኽእል፣ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ከባቢያዊ ሰበ ስልጣንን ይገልጹ።

ኣብ ዝዋይ ሓላፊት ምርመራ ኮቪድ 19 ዝኾነት ነርስ ዳምባል ቃሲምን ካልኦትን ከምዝብልዎ ‘ዝተወሰኑ እሱራት፣ ቫይረስ ኮሮና ሒዝዎም ኣሎ’ ይብሉ፣ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ድማ ‘እሱራት ንክምርመሩ ይግበር ከምዘሎ’ውን’ ጠቂሶም።

ደምባል ወሲኻ ‘ኣብ’ተን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ክልተ ሕሙማት ኮቪድ 19 ከምዝነበሩ፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ቅነ ግና በዝሒ ሕሙማት ናብ 23 ክብ ምባሉ ተሓቢሩ'ሎ።

ብተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርጋሐ ኮቪድ 19 ንምንጻርን ን17 ሚልዮን ቤታት ክሳብ 200 ሽሕ ሰባት ንምምርማር ብመሰረት ዝወጸ መደብ፣ ዛጊድ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ከምዝተመርመሩ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ሳይንስ’ታ ሃገር ዶ/ር ኤባ ኣባተ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG