ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣብዓላ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ግጭት ቁጽሪ ተመዛበልቲ ይውስኽ ምህላው ተሓቢሩ


"ሓይልታት ትግራይ፣ ብሰንኪ ኣብ ኣብዓላ ዓፋር ኣሓዪሎም ኣብ ዝቀጸልሉ መጥቓዕቲ፣ ብዝሒ ካብ መነባብርኦም ዝፈናቀሉ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ" ንንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ተፈናቀልቲ ሒዘን ይንቀሳቀሳ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ሰለስተ መካይን፣ ሓይልታት ትግራይ ብዝፈነውዎ ዝተባሃለ መጥቃዕቲ፣ ሞትን መቁሰልቲን ከምዝወረደ’ውን እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ናብ ክልል ትግራይ የምራሓ ዝነበራ 27 መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ንከይኣትዋ ገይሩ ኢሎም ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወቂሶም።

ብዛዕባ እቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዓፋር ፈንዮምዎ ዝተባሃለ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ግና ዝሃብዎ ርእይቶ ዛጊት የለን ይብል።

XS
SM
MD
LG