ኣስመራ —
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ትሕቲ 15 ዓመት ሎሚ ኣብ ስታድየም ኣስመራ፡ምስ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየደቶ ግጥም። ሓደ ብሓደ ተፈላልያ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ናይ ኩዕሶ ቁጽጽር እንተነብራ እኳ፡ 1 ብ ባዶ ተመሪሓ`ያ ንዕረፍት ወጺኣ።ድሕሪ ዕረፍት ግን ዝሓሸ ምንቅስቓስ ብምርዓራይ ንዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ፡ ተጻዋታይ ቁጽሪ 6 ናብ ጎል ብምቕያር 1 ብ 1 ተፈላልያ'ላ።