ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ መበል 23 ዓመታዊ ኣኼባ በይነ መንግስታዊ ኮሚተ ተዛዚሙ


ምፍጣር ሓድሽ ዕድላት ንዞባዊ ውህዳት ብዝብል ቴማ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ መበል 23 ዓመታዊ ኣኼባ በይነ መንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብ መዝን ክኢላታትን ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ፣ መደባት ስራሕ ብምውጻእን ለበዋታት ብምሕላፍን ሎሚ ሕዳር 7 ተዛዚሙ።

ቀንዲ ዕላማ ናይ`ቲ ኣኼባ ኣብ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባልን ዘጋጥሙ ብድሆታትን ብምልላይ ፣ተመጣጣኒ ዕድላት ብምፍጣር ዞባዊ ውህደት ምሕያል ከምዝኾነ ተገሊጹ`ሎ።

ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ፣እዚ ኣኼባ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ሰላምን ምትሕግጋዝን ስዒቡ ኣብ ኣስመራ ይካየድ ብምህላዉ ግዚኡ ዝሓለወን ቴማ ናይቲ ኣኼባ ዘንጸባርቅን'ዩ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG