ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣስመራ ኣብ ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻ ዝተኮረ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ


ኣብ ኣስመራ ኣብ ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻ ዝተኮረ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:24 0:00

ኣብ ኣስመራ ኣብ ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻ ዝተኮረ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ

ብክፍሊ ባህልን ስፖርትን ምምሕዳር ዞባ ማእከል ብዝተወደብ “ኣብ ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻ ፡ብውሁድ ምሕደራ“ ዘተኮረ ዓውደ መጽናዕቲ ብ13 ን 14ን ጥሪ,2022 ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ተኻይዱ።

ቀንዲ ዕላማ ናይ’ቲ ዓውደ መጽናዕቲ ፡ባህሊ፡ኣገድስነቱን ዕቃቤኡን ኣመጻጽኣ ሕ/ሰብን፡ ነቲ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻን ኣካላዊ ባህላዊ ውርሻን፡መንነትን ክብረትን ሕ/ሰብ ከይበረስ ብምድህሳስ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ንምስግጋርን፡ከምኡ’ውን ኣፍልጦን ንቕሓትን ሕ/ሰብ ብምዕባይ ዋንነት ተሰሚዕዎ ኣብ ምዕቃቡን ምምዕባሉን መሪሕ ተራ ንኽጻወት ንምድራኽን ከምዝኾነ ኣዳለውቲ ናይ’ቲ ዓውደ መጽናዕቲ ገሊጾም።ባህላዊ ውርሻ መግለጺ መንነትን ሃገርን ስለዝኾነ ኣብ ምዕቃቡ ኣብቲ ዓውዲ ንዝነጥፉ ትካላትን ክኢላታትን ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነስ ንኹሉ ሕ/ሰብን ኣካላትን ዝምልከት ብምዃኑ ኣብ ውሁድ ኣገባብ ምሕደራ ንኹሉ ብዘሳትፍ መልክዑ ክሳለጥ ከምዘለዎ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተሰሚሩሉ።

ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ዝቕጸለ ዓውደ መጽናዕቲ ፡ባህሊ፡ኣገዳስነቱን ዕቃበኡን፡ረቂቕ ባህላዊ ውርሻ ኤርትራን ኣተዓቓቕብኡን፡ውዕል ዩነስኮ 2003ን ተግባራዊነቱን ኣብ ኤርትራ፡ግደ ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ ትግረ ኣብ ሕ/ሰብ ፡ኣካላዊ ባህላዊ ውርሻን ኣተዓቃቕብኦምን፡ዓለማዊ ውርሻ ኣስመራ፡ መሪሕነትን ምሕደራን ባህላዊ ውርሻ፡ ኣገዳስነት ትካላዊ ባህሊ ዝብሉ ሸሞንተ መጽናዕትታት ብክኢላታትን ምሁራትን ቀሪቦ’ዩም።ኣብ ዝቐረቡ መጽናዕትታ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ርእይቶታት፡ሕቶታታን ለበዋታትን ዘተ ብምክያድ መብርሂታት ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ዓውደ መጽናዕቲ ሓለፍቲ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባታት፡ክኢላታት ናይ’ዚ ዓውዲ፡መሃንድሳት፡ስነ-ጥበበኛታት፡ክኢላታት ቋንቋ፡ቱሪዝም፡ባይቶ፡ማሕበራት፡ምምሕዳራት፡ኮለጃት፡ኣካላት ጸጥታን ተማሃሮን ተሳቶፎም።

XS
SM
MD
LG