ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣርባ ምንጭ ንድጋፍ ቀ/ሚ አብይ ሰልፊ ተኻይዱ


መዝነት ካብ ዝቕበሉ ሎሚ ሚእቲ መዓልታት ዘቑጸሩ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር አብይ አሕመድ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ዝወሃቦም ዘሎ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይካየድ’ሎ።

ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ አርባ ምንጪ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ሰልፊ ምክያዱ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው። አባል ኣመራርሓ ሰማያዊ ፓርቲ አቶ ዳንኤል ስበሺ ኣብቲ ሰልፊ ዕዱም ጋሻ ዝነበሩ ክኾኑ ከለው እቲ ሰልፊ ምሉእ ብምሉእ ነቶም ቀዳማይ ሚንስትር ንምድጋፍ ዝተኻየደ’ዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኣርባ ምንጭ ንድጋፍ ቀ/ሚ አብይ ሰልፊ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:14 0:00

XS
SM
MD
LG