ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣሜሪካ - ኣስታት 62 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደ መዓልቲ ብቫይረስ ኮሮና ምትሓዞም ተመዝጊቡ


ኣብ ኣሜሪካ ትማሊ ሰሉስ ጥራይ 61,964 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ሆስፒታል ምእታዎም ብምምዝጋብ ክብረወሰን ተሰይሩ።

ኣብ መላእ ኣሜሪካብዝሒ በቲ ቫይረስ ይትሓዙ ዘለው ሰባት ብዘልዓለ መጠን እናወሰኽ ምኻዱ ንዓቕሚ ትካላት ጥዕና ብፍላይ ድማ ኣብ ብዙሓት ክፍለ ግዝኣታት ምዕራብ ኣሜሪካ እናዳኸመ ይርከብ።

ትማሊ ሰሉስ ጥራሕ 130,989 ሰባት ሓደሽቲ ብኮቪድ19 ዝተታሕዙ ተመዝጊቦም ኣለው። ኣሜሪካ ዛጊት ብድምር ልዕሊ 10.2 ሚሊዮን በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ብቐዳምነት ትስራዕ።

XS
SM
MD
LG