ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ኣሜሪካ ዲሞክራሲ ተዳኺሙ’ዩ' ፍሪደም ሃውስ


ፍሪደም ሃውስ ኣብ ኣሜሪካ ዲሞክራሲ ተዳኺሙ’ዩ ኢሉ-ንፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ንስርዓተ-ሕጊ፡ ንኣብ-ጭብጢ ዝተመስረተ ጋዜጠኝነትን መትከላት ዲሞክራስን ብምጥቕዑ ነቒፉ።

እዚ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ፍሪደም ሃውስ ዝብሃል ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት`ውን ዲሞክራሲ ብመለኽቲ ስርዓታት ይምንጠል ኣሎ- ስለዚ እቲ ተርእዮ ተመሳሳሊ ኮይኑ` ክብል ኣብ ዓመታዊ ሪፖርቱ ኣጠንቂቑ`ሎ።

እቲ ዝዓበየ ሓደጋ፡ ብፍላይ ሓደ ፕረዚደንት ንመትከላት ዲሞክራሲ ግቡእ ኣኽብሮት ክነፍጎ ከሎ፡ዲሞክራሲ ኣሜሪካ ቀጻልነቱ ዘየተኣማምን ከም ዝኸውን ይገብሮ “ ክብል ፕረዚደንት ፍረደም ሃውስ ሚካኤል ኣብራሞዊትዝ ሓቢሩ።

ፍሪደም ሃውስ ብዓለማዊ መዐቀኒ ተርታ ክርኣይ ከሎ፡ ኣሜሪካ ሕጂ`ውን ኣብ ድልዱል ሰረት ዲሞክራሲ ዘለዋ`ኳ እንተኾነት፡ ዲሞክራሲኣ ግን ርኡይ ምጉዳል ኣርእዩ`ሎ ይብል።

ፍሪደም ሃውስ ንኣሜሪካ ትሕቲ ነበራት ዲሞክራሲ ዝብሃላ በዓል-ጀርመን ፈረንሳን ብሪጣንያን ጌሩ፡ ምስ ግሪኽ፡ ክሮሺያን መንጎልያን ሰሪዕዋ`ሎ።

ኣብ ዙርያ ዓለም፡ ኣብ` ዝሓለፈት ዓመተ 2018 68 ሃገራት ምጉዳል ፖለቲካውን ሲቪላውን መሰላት ኣርእየን-ዝበለ ፍሪደም ሃውስ 50 ሃገራት ግን ምምሕያሽ ኣርእየን ኣለዋ ኢሉ። ብደረጃ ዓለም ድማ፡ 13 ተኸታታሊ ዓመታት ምጉዳል ናጽነት ተራእዩ ይብል።

ብፍላይ ክልተ ሃገራት ማለት ሃንጋሪን ኒካራጉዋን ዓቢይ ምጉዳል ናጽነት ከምዘርኣያ ዝጠቅስ ፍሪደም ሃውስ፡ ካልኦት ከም ቻይናን ካመሩንን ዝበላ`ውን ብምውራድ ናጽነት ጠቒስወን ኣሎ።

ኣብ ቻይና ልዕሊ ሚልዮን ዓሌት ኡግሩስ፡ ካዛኪስታን ከምኡ ዓሌት ሁይ ዝብሃሉ ናብ ዳግመ-ትምህርቲ ማእከላት ክኣትዉ ከምዝተገደዱ ይጠቅስ።

ኣብ ካሜሩን፡ ፕረዚደንት ፓወል ቢያ፡ ፍጹም ናጻ ዘይኮነ ምርጫታት ብምክያድ፡ ናይ 30 ዓመታት ስልጣኑ ክናዋሕ ጌሩ ይብል ፍሪዶም ሃውስ።

ብመሰረት ጸብጻብ ብፍሪደም ሃውስ ብኣጠቓላሊ፡ 195 ሃገራት ዝተገምገማ ክኾና ኸለዋ፡86 ናጻ፡ 59 ከፊል ናጻ፡ 50 ድማ ዘይናጻ ተባሂለን ተሰሪዐን ኣለዋ።

ብምጉዳል ናጽነት ኣብ ዝኸፍኤ ምደባ ተሰሪዐን ዘለዋ፡ ሶርያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ቱርኪሚስታንን፡ ሰሜን ኮርያን ክኾና ከለዋ፡ ዝበለጸ ናጽነት ዘመዝገባ ድማ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይ ስዊድን፡ ካናዳን ነዘርላንድስን ተባሂለን ኣለዋ።

ብመሰረት መዐቀኒ ፍሪደም ሃውስ፡ ኣብ 2018 ዕዙዝ ኣወንታዊ ለውጢ ካብ ዘርኣያ ድማ፡ ኣርመንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ዒራቕ፡ ተጠቀስቲ ኾይነን ኣለዋ።

ኣብ ኣርመንያ፡ ጽገናዊ ለውጢ ዝድግፍ ኒኮል ፓሺንያን ኣብ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ገዛኢ ፓርቲ ንደጋፊ ለውጢ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ ምምራጹ፡ ነቲ ንህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣልዒሉን ንእሱራት ፖለቲካ ፈቲሑን’ዩ።

ፍሪደም ሃውስ ብተወሳኺ ኣብ ዒራቕ ድማ፡ ገለ ምድንጋር ምርጫ ኔሩ ዝብል ነቔፈታ`ኳ እንተሎ፡ እታ ሃገር ተወዳዳራይ ፓርላመንታዊ ምርጫ ብምክያድ፡ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር ጌራ ይብል

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

'ኣብ ኣሜሪካ ዲሞክራሲ ተዳኺሙ’ዩ' ፍሪደም ሃውስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:31 0:00

ምሉእ ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG