ዋሽንግተን —
‘ንዘጋጥሙ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ፍትሒ ንምምጻእ ዝጀመሩ ተቃውሞታት ከምዝቅጽሉን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ብምስጋር ኣብ ሃገራዊ፣ ክፍላተ ሃገራዊን ከባቢያዊን ውጽኢት ምርጫታት ጽልዋ ከምዘሕድሩ’ ተንተንቲ ፖለቲካ ይሰማምዑ።
ካልኦት ድማ ‘እቲ ዝተራአየ ህዝባዊ ተቃውሞ ብሕልፊ ንመናእሰያት ናብ’ቲ ሕዳር ዝፍጸም ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንክሳተፉ ከለዓዕሎም እዩ’ ዝብል ገምጋም ኣለዎም።
እቲ ዝቀነየ ተቃውሞ ብሕልፊ ንመራሒ ቃልሲ መሰላት ዝኮነ ኣንድሪው ያንግ ናብ ኣብ 50ታትን 60ታትን ንኣሜሪካ ዝሃወኻ ዓሌታዊ ቃልሲ ብሓሳቡ ንክምለስ ኣገዲድዎ እዩ።
“ኣብ እዋን ቃልሲ ንሲቪላዊ መሰላት ኣብ መላእ’ዛ ሃገር’ዚኣ ተዛዊረ እየ። እንተኾነ ከም’ዚ ናይ ሎሚ ኣብ ሙሉእ ሃገር ኣብ ዙርያ ሓደ ዕላማ ከም’ዚ ናይ ሎሚ ዝተሰለፈሉ ኩነታት ርእየ ኣይፈልጥን” ኢሉ 88 ዓመት ዝዕድሚኡን መቃልስቲ ዶ/ር ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝኾነ ኣንድሪው ያንግ።