ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣሜሪካ ዝረኣዩ ተቓውሞታት ንዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ከይጋደድ ብዙሓት ሻቕሎቶም ይገልጹ


ኣብ ኣሜሪካ ብሰንኪ ቅትለት ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ይካየዱ ዘለው ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ለበዳ ቫይረስኮሮና ብዝገደደ ከይዝርጋሕ ሻቐሎት ዓብይ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላው ይሕበር ኣሎ።

ብሰንኪ ናዕብን ተቓውሞን ገለ ናይ ቫይረስኮሮና መመርመሪ ማእኸላት ክፍለ ግዝኣት ኤሊኖይ ክዕጸው ምግዳዶም ይፍለጥ።

ኮቪድ ፖለቲካ ኣይዓግቶን ዝበሉ ኣብ ቺካጎ ናይ ዝርከብ ኖርዝዌስተርን ዩኒቨርስቲ ኢንስቲትዩት ጥዕና ዳይረክተር ዶክተር ሮበርት ሙርፊ እቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ስለዝኾነ ንገዛእ ርእስኹም ኣብ ሓደጋ ኣይትወድቑ ኢሎም ምዒዶም ኣለው።እታ ሃገር ሓደገኛ ለበዳ ገጢሙዋ ከምዘሎ ኩሉ ሰብ ብሃንደበት ድዩ ረሲዑዎ ኢሎም ክጠራጠሩ ከምዝገበሮም እውን ገሊጾም።

ከንቲባ ከተማ ቺካጎ እውን ሓደገኛን ዘሎን ንብዙሕ ግዜ ምሳና ዝፀንሕን ለበዳ ስለዝኾነ ንርእስና ጥራሕ ዘይኮነስ ንካልኦት እውን ክንከላኸል ኣለና ክትብል ተማህጺና።

ገለ ሰብ ሞያ ሕክምና እቲ ሰልፊ ኣብ ደገ ክፉት ቦታን ኣየርን ይካይድ ምህላው ናይ ምትሕልላፍ ዕድሉ ዝወሓደ እዩ ክብሉ ከለው ገሊእም ድማ ኩሉ ሰልፈኛ ናይ ኣፍን ኣፍንጫት መሸፈኒ ማስክ ዝገብሩ እንተኾይኖም ጥራሕ እዩ እዚዝኸውን ይብሉ።

XS
SM
MD
LG