ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 4 ሚልዮን ምምዝጋቡ ተገሊጹ


ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ኣብ ዝተመዝገበሉን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣሜሪካዊያን ሰራሕተኛታት ስራሕ ስኢኖም ረድኤት ኣብ ዝጽበይሉን ዘሎ ሕጂ እዋን አባላት ኮንግረስ ኣብ ዝቕፅል ናይ ሓገዝ ፓኬጅ ይካትዑ ኣለው።

ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ከምዝፀብፀቦ ክሳብ ትማሊ ሓሙስ ልዕሊ 4,034,057 ሰባት ብኮቪድ-19 ምትሓዞም መዝጊቡ ኣሎ።ኣብ ዓለም ካብ ዝተመዝገበ 15.3 ሚሊዮን እቲ ርብዒ ኣብ ኣሜሪካ ምዃኑ እዩ።ብብዝሒ ሞት ድማ 144,223 ብምምዝጋብ ኣሜሪካ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ብራዚል 84,082 ዝሞቱ 2,287,475 በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ብካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ኣብ ኣሜሪካቁፅሪ በቲ ቫይረስ ይትሓዙ ዘለው ሰባት ይውስኽን ናይ ንግዲ ትካላት ይዕፀውን ኣብዘለውሉ ሕጂ እዋን ብዝሒ ካብ ስራሕ ዝቦኽሩ ኣሜሪካዊን ሰራሕተኛታት እውን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ናይ ኣሜሪካሚንስትሪ ስራሕ ትማሊ ሓሙስ ከምዝገለፆ 1.4 ሚሊዮን ሰራሕተኛታት በቲ ምዕፃው ትካላት ንግዲ ኣዚዮ ተሃሲዮም ኣለው።

ሪፓብሊካዊ መራሒ ሰኔት ሚች ሚኮኔል ናይ ሓደ ትርሊየን ናይ ኮቪድ-19 ሓገዝወግዓዊ ንምግባር ይዳለው ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝቕፅል ወርሒ ኣብ ከተማ ጃክሰንቪልፍሎሪዳ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ ሪፓብሊካዊያን ፓርቲ ዋዕላ ሰሪዞምዎ። ምኽንያቱ ድማ እታ ከተማ ዝዓበየት ስሕበት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኮይና ኣላ።

ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ቫይረስ ኣብ ኮሎራዶ መሊሱ ዝያዳ ብምዝርግሑ ዓብይ ጉባኤ ንምክያድ “ትኽክለኛ ግዜ ኣይኮነን’’ ኢሎም ።

“ንህዝቢ ኣሜሪካ ክከላኸል ኣለኒ።ኩሉሻዕ ክከላኸል ፀኒሐ እየ።ይከላኸል እውን ኣለኹ። ’’

ፕረ.ትራምፕ ወግዓዊ ፕረዚዳንታዊ ሕፁይ ሪፓብሊካዊን ኮይኖም ንክምረፁ ኣስታት 330 ሰባት ኣብ ሻርለት ኖርዝ ካሮላይና ክራኸቡ እዮም።

ፕረ.ትራምፕ ሕጹይ ፓርቲኦም ምዃኖም ምቕባሎም መደረ ዘስምዕሉ ቦታ ኣበይ ከምዝኾነ ግን ከምዘይወሰኑ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG