ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣሜሪካ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ መዝጊባ አላ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሎሚ ምሸት ነቶም በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ንምዝካር መደረ ክገብር ይዳሎ`ሎ: ድሕሪኡ ኣብ ዋይት ሃውስ- ናይ ዝኽሪን መብራህቲ ሽምዓን ስነ-ስርዓት ክግበር`ዩ።

ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ነቶም በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ኣስታት 500 ሺሕ ንምዝካር ኣብቲ ዋና ገጻ- 500 ሺሕ ንጥብጣብ ብምስፋር ናይ ሎሚ ሕታማ ኣውጺኣ'ላ ። ኣሜሪካ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ልዕሊ 28 ሚልየን መዝጊባ'ላ።

ብኻልእ ወገን ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ቀዳማይ ሚንስተር ኢጣልያ ሰርጊዮ ማታረላን፡ ነቲ ኢጣልያ ድሕሪ እስያ ፈላመይቲ ኮሮናቫይረስ ዝተራእየላ ሃገር ዝኾነትሉ ሓደ ዓመት ንምዝካር ሎሚ ዝኽሪ ኮሮና ቫይረስ ጌሮም ኣለዉ ። ንሰራሕተኛታት ጥዕና ክብሪ ዝህብ ሃገራዊ በዓል ጥዕና ተባሂሉ ክጽዋዕ`ውን ኣውጆም።

ብኻልእ ዜና ኣብ ጉዳይ ክታበት ኣስትራዚንካ ዘሎ ግጉይ ሓበረታ ዕንቅፋት ይፈጥር ከምዘሎ ሰበ-ስልጣን ጥዕና ኤውሮጳ ሻቕሎቶም ይገልጹ`ለዉ። ሰበ-ስልጣን እቲ ክታበት ኣድማዒ ኣይኮነን ዝብሃል ወረ ግጉይ ሓበረታ`ዩ ይብሉ ።

ኣብ ታንዛንያ ድማ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ፡ እታ ሃገር ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ክትቃለስ ከምዝጸንሐት ኣሚኑ። እቲ ፕረዚደንት ኣቐድም ኣቢሉ ታንዛንያ ካብቲ ቫይረስ ናጻ`ያ ኢሉ ኔሩ`ዩ። እታ ሃገር ጸብጻብ ምሃብ`ውን ደው ኣቢላቶ ኔራ`ያ::

ዝሓለፈ ቀዳም ሓላፊ ወድብ ጥዕና ዓለም ተድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ታንዛንያ ዝተራእየ ዘይምእማን ዘሻቕል'ዩ ድሕሪ ምባል ብርክት ዝበሉ ካብ ታንዛንያ ዝገሹ ሰባት በቲ ቫይረስ ፖሲቲቭ ኮይኖም`ዮም ኢሉ።

ትማሊ ሰንበት ፕረዚደንት ማግፉሊ ታንዛናውያን ማስክ ክገብሩ ኣተባቢዑ`ሎ- ግን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተሰርሑ ክኾኑ`ለዎም ኢሉ። እቲ ፕረዚደነት ብዛዕባ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ነገራት ንክታበት ከይተረፈ ብተደጋጋሚ ስኽፍትኡ ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ- ።

XS
SM
MD
LG