ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና  ዝመውት ሰብ 100 ሺሕ ክበጽሕ ይኽእል`ዩ' ፕረ. ትራምፕ


ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝመውት ሰብ 100 ሺሕ ክበጽሕ ይኽእል`ዩ ኢሉ።

ካብ 75 ሺሕ ክሳብ 100 ሽሕ ዝኸውን ሰብ ክንስእን ንኽእል ኢና-ዘሕዝን`ዩ ዝበለ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ክሳብ 70 ሺሕ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና እዩ ኢሉ ኔሩ።

ኣሜሪካ ብመልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ንዓለም- ትመርሕ ኣላ- ልዕሊ ሓደ ሚልየን ሰባት ተታሒዞም- ዝሞቱ ድማ 68 ሺሕ በጺሖም ኣለዉ።

ብዛዕባ ምኽፋት ኣብያተ ንግዲ ዝምልከት፥ ክሳብ ጽባሕ ሰሉስ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ግዝኣታት ብዝተወሰነ ደረጃ ክኸፍታ`የን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ፥ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ላቦራቶሪ ሁሃን ቻይና ከምዝተበገሰ ብዙሕ መረዳእታ ኣሎ ኢሉ። እቲ ቫይረስ ኮነ ተባሂሉ ድዩ ወይስ ሃንደበት ተዘርጊሑ ብዛዕባ ዝብል ግን ኣይተዛረበን።

ሰበ-ስልጣን ስለያ ኣሜሪካ ፥ እቲ ቫይረስ ኣብ ላቦራቶሪ ቻይና ዝተፈጥረ ድዩ ወይስ ካብ ኣራዊት ዝመጸ ዝብል የጻርዩ ከምዘለዉ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቢሮም ኔሮም`ዮም።


ሚንስትር ማይክ ፖምፒዮ ናይ ኣሜሪካ ኮነ ናይ ዓለም ሳይንቲስታት ነቲ ላቦራቶሪ ክበጽሑ ቻይና ኣየፍቀደትን ከምኡ`ውን ናይቲ ናይ መጀምርያ ቫይረስ ኣሰር ክህቡና ኣይክእሉን ይብል ።

XS
SM
MD
LG