ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ሊቀ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ተዘራሪቦም


ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ሊቀ-ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን  ኢትዮጵያ 
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ሊቀ-ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን  ኢትዮጵያ 

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ሊቀ-ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ምስ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ተዘራሪቦም።

እቶም 12 ጳጳሳት ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካ ሒዛቶ ዘላ ዝበልዎ መርገጽ ከም ዘሰከፎም ንምግላጽ`ዮም ምስ ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ክራኸቡ ክኢሎም።

ካብ ዝኾነ ብሄር ይኹን ሃይማኖት ንጹሓን ዜጋታት ብኸንቱ ዝቕተልሉ ዘስካሕክሕን ጭካነ ዝመልኦን ቅትለታት ኣብ እነውግዘሉ እዋን ድጋፍኩም ክተርእዩና ኢና ደሊና ዝብል መልእኽቲ ዘሕለፉ እቶም ጳጳሳት: ኣመሪካ ነቲ ጭቡጥ ኩነታት ተረዲኣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክትሕግዝ ተማሕጽኖም።

"ኣብ ትግራይ ዘለዉ ወገናትና ጸገሞም የተሓሳስበና`ዩ፡ ንጥምየትን ዓጸቦን እናቃልዑ ንደቆም ኣገዲዶም ናብ ኩናት ዝጠብሱ ወገናት ተግባሮም ደው ኣቢሎም ህዝቢ ሰላም ክረክብ ኣለዎ" ኢሎም ።

እቶም ጳጳሳት እቲ ርክብ ከምዝቕጽልዎ`ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG