ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ለውጢ ሕግታት ኢምግሬሽን ኣብ ኣመሪካ


ለውጢ ሕግታት ኢምግሬሽን ኣብ ኣመሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:45 0:00

ለውጢ ሕግታት ኢምግሬሽን ኣብ ኣመሪካ

ኣብ ኣመሪካ ማእኸላይ ካልኣይ ዘመን ምርጫ ክቐርብ ከሎ ጉዳይ ኢሚግረሽን ሓደ ካብቶም ኣዚዮም ኣሰሓሐብቲ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ኮይኑ ይወፅእ።ብፍላይ ድማ ብደቡባዊ ምዕራብ ዶብ ኣቢሎም ናብ ኣመሪካ ዝኣትው ዝምልከት:

ብዝሒ ብሜክሲኮ ኣቢሎም ናብ ኣመሪካ ዝኣትው ስደተኛታት ዝለዓለ እዩ።ሪፓብሊካን ናይዚ ምኽኒያት ፕረዚደንት ጆ ባይደን እዮም ክብሉ ይኸሱ።ትንታነ ኢሚግሬሽን ፖሊሲ ኢንስቲቱዩት ከምዝሕብሮ ምምሕዳር ባይደን ልዕሊ 296 ናይ መፈፀሚ ትእዛዛት ብምውፃእ ኣብ ኢሚግሬሽን ብዕቱብ ይሰርሕ ኣሎ።

ምምሕዳር ባይደን ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ዝነበሩ ፖሊስታት የቕፅሎም ኣሎ።

ናይ ኣመሪካ ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ኣብ እዋን ለበዳ ናይ ህዝቢ ጥዕና ንምክልኻል ኣብ መጋቢት 2020 ዘውፅኦ ታይቲል 42 ዝተባህለ ፖሊሲ ምምሕዳር ባይደን የቕፅሎ ኣሎ።

ኣብ ኣመሪካ ዕቑባ ዝሓቱ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ወይ ሜክሲኮ ተጠሪዞም(ተባሪሮም) እዮም።ብምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ እዚ ፖሊሲ ብምምሕዳር ተመሓይሹ አላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ህጻናትን ዘለዎም ስድራታትን ናብ ኣመሪካ ክኣትው ፈቒዱ እዩ።

ሰባት ዓሌቶም:ሃይማኖቶም:ብሄሮም:ፖለቲካዊ ርእይትኦም ወይ ናይ ዝኾነ ጉጅለ ኣባል ብምዃኖም ምኽኒያት ኣብ ሃገሮም ፀገም ንዘጋጥሞም ሰባት ናይ ኣመሪካ ሕጊ ዕቑባ ይህብ።

ኣብ ግንቦት 2022 ምምሕዳር ባይደን ታይትል 42 ዝተባህለ ፖሊሲ ከብቅዕ ኣዊጁ።ብሪፓብሊካዊያን ዝምርሓ ክፍለ ግዝኣታት ክሲ ኣቕሪበን ቤት ፍርዲ ዘብቅዐሉ ግዜ ከየቐመጠ እቲ ፖሊስ ክቕፅል ወሲኑ።

ምምሕዳር ባይደን ሚግራንት ፕሮቴክሽን ፕሮቶኮል ዝተባህለ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ዝተኣታተወ ፖሊሲ ከብቅዕ ገይሩ እዩ።እዚ ፖሊሲ እዚ ሓተቲ ዕቑባ ጉዳዮም ኣብ ሜክሲኮ ኮይኖም ውሳነ ቤት ፍርዲ ዝከታተልሉ ኣገባብ እዩ።

ብውሳነ ሓደ ቤት ፍርዲ ፌደራል ስደተኛታት ኣብ ሚግራንት ፕሮቴክሽን ፕሮቶኮል ክምዝገቡ ኣይክእሉን።ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሚግራንት ፕሮቴክሽን ፕሮቶኮል ዝተመዝገቡን ኣብ ሜክሲኮ ኮይኖም ውሳነ ዝፅበዩ ዘለውን ግን ዝቕፅል ናይ ቤት ፍርዲ ቆፀርኦም ክከታተሉ ናብ ኣመሪካ ክኣትው ክፍቀደሎም እዩ ናብ ሜክሲኮ እውን ክምለሱ የብሎምን።

ምምሕዳር ባይደን ንገሊኦም ሕቶታት ዕቑባ ኣብ ምትግባር 31 ግንቦት 2022 ገለ ለውጥታት ኣተኣታቲ'ዩ።እዚ ሓዱሽ መምርሒ መስርሕ ዕቑባ ዘሳልጥ እዩ።

ምምሕዳር ባይደን መጀመርያ ኣብ ዓመት ናብ ኣመሪካ ዝኣተው ብዝሒ ስደተኛታት 15,000 ክኾኑ ቀፂሉ'ሉ።እዚ ቁፅሪ እዚ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝወሓደ እዩ።ዴሞክራት ኣብ ካፒቶል ሂል ተቓውሞ ከልዕሉ ዘገደደ እውን እዩ ነይሩ።ኣብ መጋቢት እቲ ምምሕዳር እቲ ቁፅሩ ናብ 62,500 ክብ ኣቢሉዎ።ኣብ 2021 በጀት ዓመት ዝኣተው ብዝሒ ስደተኛታት ግን 11,411 ጥራሕ ነይሮም።

ምምሕዳር ባይደን ሕጂ እውን ብዝሒ ዓመታዊ ናብ ኣመሪካ ዝኣትው ስደተኛታት 125,000 ክኾኑ ገይሩ ክብ ኣቢሉዎ።ክሳብ ሓምለ ኣብ ዝነበረ እዋን ግን እቲ ፕሮግራም ዝተቐበሎም ስደተኛታት 17,690 ሰባት እዮም።እቲ ምምሕዳር ዝኣተዎ መፅብዓ ከምዘየማልእ ተሓለቕቲ ይገልፁ።

ባይደን ኣብዚ ወርሒ ጥቅምቲ ሓዱሽ ቁፅሪ ዕላዊ ክገብሩ ትፅቢት ዝግብር እንተኾነ እውን ብሰንኪ እቲ ለበዳን ድሩትነት ዝምደብ ፀጋን ብድሆታት ክገጥሞ እዩ።

ምምሕዳር ባይደን መስርሓት ቀይዲ ፣ማእሰርትን ምብራርን ሓዊሱ ኣብ ስራሕ ዘለው ፀጋታት ምኽባር ሕጊ ብዝሓሸ ኣገባብ ከምዝጠቅሙሎም ቃል ኣትዩ እዩ።ሚንስትር ድሕነት ውሽጢ ሃገር ኣልሃንድሮ ማዮርካስ ቀዳምነት ዝወሃቦ ሓዱሽ ኣገባባት ኣዊጆም እዮም። "መምርሒታት ምኽባር ስቪላዊ ሕግታት ኢሚግሬሽን’’ ዝብል 30 መስከረም 2021 ዕላዊ ገይሮም።

ማዮርካስ መኮነናት ምኽባር ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ንናይ ህዝቢ ጥዕናን ሃገራዊ ድሕነትን ስግኣት ዝኾኑ ከምኡ እውን ብዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ኣቢሎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትውን ትኹረት ክገብሩን ኣዚዞም።ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ሰራሕተኛታት ምኽባር ኢሚግሬሽንን ጉምሩን ምእሳርን ምብራርን ስደተኛታት ሓዊሱ ሰፊሕ ስልጣን ተዋሂቡዎም ነይሩ።

ብሪፓብሊካን ዝምርሓ ገለ ክፍለ ግዝኣታት እቲ መምርሒ ካልኦት ገበናት ዝፈፀሙ ዕሽሽ ዝብልን ከቢድ ገበን ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ሰባት ጥራሕ ትኹረት ዝገብርን እዩ ክብላ ብምክርኻር ንምምሕዳር ባይደን ከሲሰንኦ።ሓደ ዳኛ ቤት ፍርዲ ፌደራል ንገሊኦም ኣብ መስከረም ዝወፁ መምርሒታት ኣጊዱዎም።

ብመሰረት ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኣብዚ ሕጂ እዋን ጠመተ ምኽባር ሕጊ ሚንስትሪ ድሕነት ውሽጢ ሃገር ኣንፃር ዝተወሰኑ ሰባት፣ከባቢታትን ኩነታትን ዝገብሩዎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ክድረት ዝገበረ እዩ።ካብዚ ወፃኢ ግን ሰራሕተኛታት ምኽባር ሕጊ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዳያት እናርኣዩ ክውስኑ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ናይ ፖሊስ ኢንስቲቱዩት "ሰራሕተኛታት ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን ንነፍሰ ፁራትን ሓራሳትን ክኣስሩ ከምዘይብሎም ትእዛዝ ተዋሂቡዎም እዩ።ናይ ምብራር መስርሕ ከበጋግሱ እንተኽኣሉ እውን ስጉምቲ ክወስዱ ግን የብሎምን"ይብል ።

እቶም ሰራሕተኛታት ስጉምትታት ምውሳዶም ክድርቱ ዝተነገሮም ኣብ ጥቓ ኣብያተ ፍርዲ:ኣብያተ ትምህርቲ:ሆስፒታላት:ትካላት ሃይማኖትን ስነስርዓት ቀብሪ ወይ መርዓን ናይ ተቓውሞ ቦታታትን ኣብ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ኣጋጣሚታት ስጉምትታት ከይወስዱ ትእዛዝ ተዋሂቡዎም እዩ።

ማዮርካስ ዜጋታት ከይኾኑ ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ ዘገልገሉ ግን ብዘይ ኣገባብ ዝተባረሩ ሰባት ናብ ኣመሪካ ክምለሱ እውን ንናይ ሚንስትሪ ድሕነት ውሽጢ ሃገር ኣካላት ትእዛዝ ሂቦም እዮም።

ብዘይልሙድ ኣገባብ ናብ ኣመሪካ ዝኣተው ገለ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ክፀንሑ ዘኽእሎም ግዚያዊ ፍቓድ ይውሃቦም እዩ።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ባይደን ካብ 15 ሃገራት ዝመፁ ስደተኛታት ብፍሉይ ብግዚያዊነት ኣብ ኣመሪካ ክነብሩ ከመልክቱ ይፍቀደሎም።ን6:12ን 18 ኣዋርሕ ክፀንሑ ይኽእሉ።

ምምሕዳር ኦባማ ኣብ 2002 ዝፈጠሩዎን ዳካ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ፖሊሲ ቆልዑ ኮይኖም ናብ ኣመሪካ ዝኣተው ክምሃሩን ክሰርሑን ዘፍቅድ ሕጊ ዓሰርተ ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ።ናይዚ ፕሮግራም ተጠቀምቲ ዝኾኑ ሰባት ግን ኣብ ስግኣት ኮይኖም እዮም ዝነብሩ ዘለው።

ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዓመት ምዕፃው ኤምባሲታትን ቆንሱላትን ኣብ ዙሪያ ዓለም ንስደተኛታትን ስደተኛታትንዘይኮኑን ኣመልከቲ ቪዛ ምሃብ ጀሚረን ኣለዋ።ሕጂ እውን እንተኾነ ግን ኣመልከቲ ለበዳ ብዝፈጠሮ ዕፅዋ ውሱኑነት ሰራሕተኛታት ሰለዘሎ ሰባት ቪዛ ክረኽቡ ነዊሕ ይፅበዩ ኣለው።ብመሰረት ወሃቢ ቃል ሚንስትሪጉዳያት ወፃኢከከም ሃገራቱ ግን ይፈላለ እዩ ።

ፕረዚደንት ባይደን ስርሖም ኣብ ዝጀመርሉ ፈላመይቲ መዓልቲ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ ንምምሕያሽ the U.S. Citizenship Act of 2021 ዝብል ሕጊ ኣውፂኦም።እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ኣመሪካ ዝነበሩ 11 ሚሊዮን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣብ ሸሞንተ ዓመታት ዜጋታት ክኾኑ ዝገብር መስርሕ ዝሓወሰ እዩ።

እዚ ሕጊ ኣብ ካፒቶል ሂል ከምዝሞተ እዩ ዝርኣይ።ካልኦት ናይ ኢሚግሬሽን ሕግታትው እንተቐረቡ እውን ግን ኮንግረስ ዋላ ሓደ እውን ኣየፅደቐን።

XS
SM
MD
LG