ዋሽንግተን —
ሓያል ህቦብላ ዝሓዘለ ዝናብ ንማእከላይ ምዕራብ ኣመሪካ የናውጽ ኣሎ። ትማሊ ረቡዕ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ከንሳስ ሲቲ መዙሪ ገዛውቲ ገማጢሉ፡ ዓንድታት ኤለክትሪክ`ውን ኣውዲቑ።
ዛጊት ኣብቲ ኸባቢ13 ህቦብላ ዝሓዘለ ዝናብ (ቶርነይዶ) ከምዝተራእየ ዝገለጸ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር፡ ኣብ ግዝኣታት ኣርካንሳ: መዙሪ: ተነሲ: ኢለኖይን ከንታኪን ብድምር 85 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ`ሎ።