ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመሪካ ምርጫ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጀሚሩ'ሎ


ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ንምምራጽ መባእታዊ ምርጫ ጀሚሩ'ሎ። ምስዳድ ጥንስን ዝቕባበ ገንዘብን ቀንዲ መፍለዪ ኣጀንዳ ሕጹያት ኮይኑ`ሎ።

ኣብ ፍሎሪዳ ንደሞክራቲክ ብጻዩ ዝሰዓረ ቻርሊ ክሪስት ኣብ ዝቕጽል ዛዛሚ ምርጫ ምስ ሪፓብሊካን ገዛኢ ፍሎሪዳ ሮን ደሳንቲስ ክወዳደር`ዩ።

ሰነተር`ታ ግዝኣት ዝኾነ ማርኮ ሮቢዮ`ውን ኣብዚ ዓመት ንምርጫ ቀሪቡ`ሎ።

ኣብ ኒውዮርክ ድማ ደሞክራት ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዝኾኑ ጀሮልድ ናድለርን ካሮልን ማሎኒን ንመባእታዊ ምርጫ ቀሪቦም ናድለር ተዓዊቱ።

ኣብ ኒውዮርክን ፍሎሪዳን ካልኦት ተወዳደርቲ ዝርከብዎ ምርጫታት ተኻይዱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG