ዋሽንግተን —
ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ንምምራጽ መባእታዊ ምርጫ ጀሚሩ'ሎ። ምስዳድ ጥንስን ዝቕባበ ገንዘብን ቀንዲ መፍለዪ ኣጀንዳ ሕጹያት ኮይኑ`ሎ።
ኣብ ፍሎሪዳ ንደሞክራቲክ ብጻዩ ዝሰዓረ ቻርሊ ክሪስት ኣብ ዝቕጽል ዛዛሚ ምርጫ ምስ ሪፓብሊካን ገዛኢ ፍሎሪዳ ሮን ደሳንቲስ ክወዳደር`ዩ።
ሰነተር`ታ ግዝኣት ዝኾነ ማርኮ ሮቢዮ`ውን ኣብዚ ዓመት ንምርጫ ቀሪቡ`ሎ።
ኣብ ኒውዮርክ ድማ ደሞክራት ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዝኾኑ ጀሮልድ ናድለርን ካሮልን ማሎኒን ንመባእታዊ ምርጫ ቀሪቦም ናድለር ተዓዊቱ።
ኣብ ኒውዮርክን ፍሎሪዳን ካልኦት ተወዳደርቲ ዝርከብዎ ምርጫታት ተኻይዱ`ሎ።