ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመሪካ ለበዳ ኮቪድ19 ንቕትለት ብ30% የዕብዮ


ኣብ መሸጣ ኣጽዋር -ፋይል
ኣብ መሸጣ ኣጽዋር -ፋይል

ኣብ ቀዳማይ ዓመት ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ በበይኑ ክፍሊ-ሃገራት፡ ዓበይቲን ንኣሽቱን ከተማታት ኣመሪካ፡ ቅትለት ብ30% ዓብዩ። ሓደ ምኽንያት ናይዚ ምስቲ ለበዳ ተኣሳሲሩ ዝመጸ ብዝሒ ምኽዛን ኣጽዋር’ዩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ነብራስካ ዝምህር ፕሮፈሰር ጃስቲን ኒክስ፡ ቀንዲ ምኽንያታት ዝዀኑ ምግዛእ ብረት፡ ኣብ ገዛ ምዕጻው ዘምጽኦ ጭንቂን ኣብ ፖሊስ እምነት ምጥፋእን’ዩ ይብል። ፕሮፈሰር ኒክስ ከም ዝብሎ፡ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝሒ ብረት ዓጢቖም ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝጓዓዝዩ ኣመሪካውያን ኣዝዩ ዓብዩ። ንዕኡ ድማ ቍጠባዊ ቅልውላው ዘምጽኦ ዘይርጉእነትን እቲ ሓፈሻዊ ኵነታት እቲ ለበዳ ዝፈጥሮ ጭንቀትን ከም ዝውስኾ የመልክት።

ነቲ መቕተልቲ ተወሳኺ ምኽንያት ዝዀኑ’ውን ኣብ ወርሒ ግንቦት 2020 ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ክፍለ-ሃገር ሚኒሶታ ብፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብ ምሉእ ሃገር ዝለሓመ ሰፋሕቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ገለ ካብቶም ምኽንያታት'ዮም። ኣቐዲሞም ዝተገብሩ መጽናዕታት ከም ዘመልክቱዎ ድማ ኣብ ከምኡ ዝበለ እዋን፡ ፖሊስ በቲ ኣጋጣሚ ሰንቢዶም ካብቲ ዝለመዱዎ ገበን ናይ ምክልኻል ተግባራት ይዝሕሉ እሞ እቲ ገበናት ድማ ቀልጢፉ ይውስኽ።

ፕሮፈሰር ኒክስ ከም ዝብሎ፡ ድሕሪ ዓበይቲ ክስተታት ፖሊስ ዝጃጅውሉን ምኽንያት ንሳቶም’ውን ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ከይስሕቡ ስለ ዝፈርሑ’ዮም። ኣብ ክንድኡ ድማ እናረኣዩን ካልእ ክገብሩ’ውን ተኽእሎ ከለዎምን ሸለል ኢሎም ክሓልፉዎ ይመርጹ።

መዛግብቲ ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበናት (FBI) ከም ዘመልክቱዎ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጀመረሉ ፈለማ 2020 ኣትሒዙ መሸጣ ብረት ኣመሪካ እናዓበየ’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ። እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ 1998 ብረት ክገዝኡ ንዝደልዩ ናይ ገበን ምጽራይ ግቡእ ምዝገባ ክገብር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ በጺሑ። ኣብ ሓንቲ ሰሙን ብረት ክገዝኡ ንዝደልዩ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን 200-ሽሕን ኣመልከትቲ መርሚሩ።

ምስ ዕብየት መሸጣ ብረት ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ቅትለት ምህላዉ ድማ ሰብ-ሞያ የመልክቱ።

ምስ ቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድን ካልእ ተመሳሰልቲ ተርእዮታትን ተኣሳሲሩ ክበጋገስ ዝጸንሐ፡ ንባጀት ፖሊስ ምቝራጽ ዝብል ሰፊሕ ተቓውሞ’ውን ተራእዩ። ዝበዝሑ ኣመሪካውያን ግን ነቲ ሓሳብ ዝሰማምዑሉ ኣይመስሉን። እንተዀነ ፍርቂ ካብ ኣመሪካውያን እቲ ናብ ፖሊስ ዝውዕል ባጀት ጎዲሉ ኣብ ክንድኡ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝውዕለሉ ኣገባባት ክመሃዝ ይድግፉ።

ምትፍናን ኣብ ዝዓብየሉ ዘሎ ሕብረተሰብ ኣመሪካ፡ እሞ ድማ ምስ ዕብየት መሸጣ ኣጽዋራት፡ ሓይሊ ፖሊስ ክዓቢ ኣድላዪ ምዃኑ ፕሮፈሰር ኒክስ ይምጕት። ወሲኹ ግን ይብል ፕሮፈሰር ኒክስ፡ ዘድሊ ልምምድ ምዕባይን ብስራሖም ሕጕሳት ኣባላት ምቑጻርን የድሊ። ማዕረ ኣብ ፖሊስ ዝግበር ወፍሪ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዝግበር ወፍሪ’ውን ክዓቢ ከም ዘድሊ ድማ ይውስኽ።

XS
SM
MD
LG