ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሴ ዝተኻየደ ሱሉሳዊ ልዝብ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ተገሊጹ


ሚንስትር መስኖ፡ማይ፡ጸዓትን ዶ/ር ስለሺ በቀለ
ሚንስትር መስኖ፡ማይ፡ጸዓትን ዶ/ር ስለሺ በቀለ

ኢትዮጵያ፡ግብጽን ሱዳንን ከኻይድዎ ዝጸንሓ ትማሊ ለይቲ ዝዛዘመን ዝርርብ ሰለስተ ሃገራት ውፅኢት ኣምፂኡ ክትብል ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

ሊቃውንቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሴ ብሓባር ከፅንዕኦ እዩ ኣብ ዝብል ምርድዳእ ከምዝተበጽሓ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ትማሊ ሚንስትራት ወጻኢ ጉዳያት ሃብቲ ማይ ሰለስቲኣን ሃገራት ዘካየድኦ አኼባ ክሳብ ለይቲ ተኻይዱ ውጽኢት ተረኺብዎ ክብሉ ሚንስትር መስኖ፡ማይ፡ጸዓትን ዶ/ር ስለሺ በቀለ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

“ኣብ ኣመላልኣ እቲ ግድብ ዘሎ ስርሓት መምርሒታት መራሕቲ እውን ብዝሃብዎ ኣንፈት ኣብኡ ብምትዃር ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ሓሙሽተ ሊቃውንቲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣፅኒዖም ዝተፈለየ ኣማራፂ ሓሳባት ከምፅኡ እንተኽኢሎም ነዚኦም ኣብ ግምት ንምእታው እዩ።”

ግብጺ ኣመላልኣ’ቲ ግድብ ዝግበር መጽናዕቲ ብሳልሳይ አካል ክካየድ ክትሓትት ጸኒሓ’ያ። እዚ ናይ ትማሊ ስምምዕ ግን ካብዚ ዝተፈልየን ናብ ቅኑዕ መስመር ዝቕንዓን’ዩ ክብሉ እቶም ሚንስትር ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG