ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢጣልያ: ደቡብ ኮርያን ቻይናን ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙን ዝሞቱን ሰባት ምጉዳሉ ተገሊጹ


ኣብ ጣልያን ንሳልሳይ ተኸታታሊ መዓልታት ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ክጎድሉ ጀሚሮም: ቁጽሪ ዝሞቱ’ውን ጎዲሉ’ሎ። ትማሊ ሰኑይ 601 ዝሞቱ ተመዝጊቦም-ገና ብዙሕ ቁጽሪ`ዩ ግን ካብቲ ብቀዳም ዝተራእየ 800 ሞት ብዙሕ ለውጢ`ኣለዎ።

ደቡብ ኮርያ፥ ካብ መንጎ ካብ ዓለምና በቲ ሕማም ዝያዳ ዝተሃርማ ሃገራት- ሕጂ ብቀጻሊ ምምሕያሽ ተርኢ`ላ-ሎሚ ሰሉስ 76 ሰባት ጥራይ`ያ ሓደስቲ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ መዝጊባ።

ቻይና`ውን ከምኡ ብቀጻሊ ምምሕያሽ ትሕብር ኣላ-ሎሚ ሰሉስ ብከባቢያዊ ምትሕልላፍ ዝተታሕዙ ኣርባዕተ ሰባት ጥራይ ምኻኖም ሓቢራ- ።

ኩባ፥ ናብ ሃገረይ ዝመጹ ኩሎም በጻሕቲ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚረ ዓጽየዮም ኣለኹ ትብል ኣላ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ምልእቲ ሃገር ንሰለስተ ሰሙን ንክትዕጾ ኣዚዛ’ላ: ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ናብ 554 ደይቦም ኣለዉ።

ኣብ`ዚ ኣብ ኣመሪካ፡ ሓደ ሲሶ ህዝቢ ኣመሪካ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ተኣዚዙ`ሎ-ብኣመሓደርቲ ገለ ግዝኣታት ብዝተዋህበ ትእዛዛት`ዩ።

ፕረዚደን ትራምፕ ከኣ፥ መከላኸሊ ቫይረስ ኮነ መሳርሕታትን ሕክምና ንዝሓብኡ ወይ ንዝኸዘኑ ወይለኹም ይብሎም ኣሎ፥ ንዝሓበአን ዝኸዘነን ብገበን ዘቕጽእ ሕጊ ትማሊ ሰኑይ-ፍሉይ ፕረዚደንታዊ ስልጣኑ ተጠቒሙ ፈሪሙ`ሎ።

ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣመሪካ ድማ ነቲ ብሳዕቤን ኮሮናቫይረስ ዝደኸመ ኤኮኖሚ ንምብርባር ግዙፍ ዓቐን ዘለዎ ገንዘብ-ክሳብ ትማሊ ክካትዕሉ ቀንዮም ኣለዉ -ሎሚ ሰሉስ ግን ተሰማሚዖም ከጽድቕዎ ትጽቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG