ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢንዶኖዥያ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት 252 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ቀንዲ ደሴት ኢንዶንዥያ ጃቫ ትማሊ ሶኑይ ብዘጋጠመ ዓብይ ምንቅጥቃጥ መሬት ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ድማ ጉድኣት በፂሑዎም። ኣብ ህይወት ኣድህን ስርሒት ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ሎሚ ሰሉስ’ውን ፍተሻ ምድሓን ህይወት ቀፂሉ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ኣብ ሲያንጁር ትካል ምክልኻል(ምንካይ) ሓደጋ እቲ ዞባ ከም ዝሓበሮ በቲ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘጋጠመ ቁፅሪ ምውታት ናብ 252 ክድይብ ከሎ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ቆሲሎም 31 ሰባት ድማ ስጋብ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ሓላፊ ትካል ሃገራዊ ምንካይ ሓደጋ ከምዝበልዎ በቲ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ሓያሎ ዕንወታት ከምዝወረደን ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ህንፃታት ከም ዝፈረሱን ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ምዕራብ ጆቫ ሬድዋን ካሚል በቲ ሓደጋ ዝተመዛበሉ ልዕሊ 13,000 ሰባት ኣብ መዕቆቢ ከምዝርከቡ ገሊፆም:ብዙሓት ህንፃታት ምፍራሶምን ስዒቡ ቁፅሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእልን ብውሑዱ ስጋብ ሕጂ 326 ሰባት ከምዝቖሰሉ ሓቢሮም።

ኢንዶኒዥያ ኣብቲ ኣብ ገማግም ፓስፊክ ዝርከብ “ቀለበት ሓዊ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀስታዊ ዕንኪልል ስለትርከብ ብተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ መሬት፣ እሳተ ጎሞራን ሱናሚን ትውቃዕ።

XS
SM
MD
LG