ሃዋሳ —
ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ተባሂሉ ዝተኣወጀ ህጹጽ ኣዋጅ ኣብ ክልል ሲዳም ብግቡእ ብዘይምፍጻሙ፥ እቲ ቫይረስ ኣብቲ ክልል ብዝለዓለ ደረጃ ይውስኽ ከምዘሎ፡ ናይቲ ክልል ኢንስቲቱት ጥዕና ኣፍሊጡ።
ኣብ ሃዋሳ ኢንዱስትሪ ፓርክ`ውን ልዕሊ 170 ሰራሕተኛታት ብቫይረስ ኮሮና ከም ዝተታሕዙ ዳይሬክተር`ቲ ኢንስቲቱት ዶ/ር ማቴ መንገሻ ሓቢሩ'ሎ።