ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ምርካቡ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐ ሰብ ከም ዝተረኽበ ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ።

እቲ ጃፓናዊ ዜጋ፡ ዝሓለፈ ለካቲት 25/ 2012 ካብ ቡርኪናፋሶ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ`ሎ።

እቲ ቫይረስ ኣብ ቻይና ካብ ዝተረኸበሉ እዋን ጀሚሩ፡ ናብ ሃገር ከይኣቱ፡ እንተኣትዩ ድማ ጉድኣቱ ንምንካይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚንስትሪ ጥዕናንን ብርክት ዝበሉ ስራሓት ክዓሙ ከምዝጸንሑ ዝገለጸት ሚንስትር ጥዕና ሊያ ታደሰ፡ ናይ መጀምርያ ተጠቃዓይ ምርካቡ፡ ናይ ምክልኻል ስጉምታታት ንኽሕይል`ምበር ንክንሰናበድ ዝገብረና ክኸውን ኣይግባን ኢላ።

እቲ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ከምዝተታሕዘ ቅድሚ ምፍላጡን ቅድሚ ናብ ሕክምና ምኻዱን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረሉ ኩነታትን ምንቅስቓሳቱን ብዝምልከት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝውሰድ ስጉምትታት ዓይነት ይውሰድ ከምዘሎ`ውን ኣብ`ቲ ጋዜጣዊ መግለጺ መብርሂ ዝሃበ ዳይሬክተር ኢንስቲቱት ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ኤባ ኣባተ ዝስዕብ መልሲ ሂቡ።

“ኣብዚ እዋን`ዚ ንፈልጦ ተታሒዙ ዘሎ ሓደ ሰብ ጥራይ`ዩ። ተወሺቡ`ዩ ዘሎ። ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ደሓን`ዩ ዝርከብ። ምስኡ ርክብ ዝነበሮም ኣብ ትሕቲ ምክትታል`ዮም ዘለዉ። ስለዚ እዚኦም ተደሚሮም ንቀጻሊ ንሰርሓሎም`ዮም።”

ሚንስትር ጥዕና ሊያ ታደሰ ብወገና፡ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት በረራ ደው ንምባል መደብ ከምዘይብላ ኣፍሊጣ`ላ።

‘’ እዚ ቫይረስ ሎሚ ኣብ 134 ሃገራት`ዩ ዘሎ። ስለዚ በረራታት ደው ምባል ፍታሕ ኣይኮነን ‘’

ዶ/ር ሊያ ኣተሓሒዛ ኢትዮጵያ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ን600 ናይ ምውሻብ ዓቕሚ ከምዘለዋን ተወሳኺ ሆስፒታላት ንምድራብ`ውን ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጣ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን መጋቢት 4 ,2020 ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ጃፓናዊ፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ 10 መዓልታት ኣሕሊፉ ምንባሩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ምርካቡ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:18 0:00


XS
SM
MD
LG