ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ጭና ዝተባህለ ቦታ ኣስታት 200 ንጹሃን ሰባት ብህወሓት ምቕታሎም ነበርቲን ሰበ ስልጣን'ቲ ከባብን ገሊጾም


ጭና
ጭና

ዕጡቓት ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዳባት ወረዳ ጭና ተክለ ሃይማኖት ኣብ ዝተብሃለ ናይ ገጠር ዓዲ ንልዕሊ 200 ንፁሃን ሰባት ምቕታሎም ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ከባቢ፣ዝተጎድኡን መሰኻኽር ዓይኒ ምዃኖምን ዝገለፁ ነበርትን ገሊፆም።

ዕጡቓት ህወሓት ኣብቲ ከባቢ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ገዛ ገዛ እናዘሩ ንፁሃን ቀቲሎም ክብሉ ነበርቲ ምዃኖም ዝገለፁ መሰኻኽር ዓይኒ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን ድማ ዕጡቓት ህወሓት ን120 ስቪላት ከምዝቐተሉ ሎሚ ረቡዕ ሮይተርስ ንሰበ ስልጣን'ቲ ከባቢ ብምጥቃስ ፀብፂቡ።

ብመሰረት ኣብ ዳባት ከባቢያዊ ኣመሓዳሪ ኣቶ ሰውነት ዉባለምን ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ኣቶ ቻላቸው ዳኘውን እቲ ቕትለት ካብ ከተማ ዳባት 10 ኪ.ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ናይ ገጠር ዓዲ 1ን2ን መስከረም 2021 እዩ ተፈፂሙ ።

እቲ ፀብፃብ ኣቐባሊ ቃል ሓይልታት ትግራይ ሪኢቶ ክህብ ተሓቲቱ ኣይመለሰን ይብል ።

ከባቢያዊ ኣመሓዳሪ ሰውነት ንሮይተርስ ብቴሌፎን ኣብ ዝሃቦ ቃል "ዛጊድ 120 ሬሳ ረኺብና ኣለና፤ኩሎም ንፁሃን ሓረስቶት እዮም።እቲ ቁፅሪ ካብኡ ንላዕሊ ከምዝኸውን ንኣምን።ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ኣለው ’’ ኢሉ ።

ቅድሚ ዓሰርተ ኣዋርሕ በሰንኪ ዝጀመረ ኵናት ኣሽሓት ተቐቲሎም ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም።አቲ ውግእ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰፊሑ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ዝተባህለ ቤት ጽሕፈት ነቲ ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝወጸ ዜና ብትሪ ኮኒኑዎ ኣሎ። ኣብቲ ዝዘርግሖ ሓጺር ጽሑፍ፡ እቲ ብ1ን 2ን መስከረም ተፈጺሙ ዝተባህለ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ስኑዕ ዜና ሓይልታት ኣምሓራ ዝተመርኰሰን ዝዀነ ጭብጢ ዘይብሉን ክብል ገልጽዎ። ኣብ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ግፍዕታትን ምዝጉብ ታሪኽ ዘለዎም ሓይልታት ኣምሓራ’ዮም ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መዛግብቱ ክርኢ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከምኡ ዝመስል ስጉምታት ቅጡባት ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፡ ናጻ ኣካል ከጻሪን ነቲ ሓበሬታ ከመሳኽር ንዝደሊ ማዕከን ዜና ድማ ማዕጾኦም ክፉት ምዃኑን ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG