ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ግብረ ሸብራዊ መጥቓዕቲ ንምፍጻም ዝተዳለወ ኣጽዋርን ተጠርጠርቲን ምትሓዞም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሃይማኖታውን ህዝባውን በዓላት ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ንምፍፃም ዝተዳለወ ዝተባህለ ኣፅዋርን ተጠርጠርትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሉ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከንቲባ ከተማ ሃይቅ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣቶ ሰይድ መሓመድ እቲ ፈተነ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሞን ግጭት ንምፍጣር ነቲ ለውጢ ዝዕንቅፉ ሃይማኖታውን ህዝባውን በዓላት ብዝተረጋግአ መንፈስ ከይካየድ ንምግባር እዩ ኢሎም።

ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን እቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ክፍፀም ዝተሓሰበ ሒደት ናይ ህውሓት ናይ ጥፍኣት ጉጅለታት ኢሉ ብዝፀውዖምን ብኦነግ ሸኔን ምዃኑ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝዘርግሐ ሓበሬታ ሓቢሩ ይብል።

ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ ዝሃቡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣይተ ነጋ አሰፋ: ህወሓት ንናይ ሃገር ሰላም ምርግጋፅ ዝሰርሐ: ኣብ ፖለቲካ ድማ ፊት ንፊት ዝገጥም ውድብ እምበር ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝወረደ ተግባር ከምዘይሳተፍ ይፍለጥ እዩ ኢሎም::


ንሶም ወሲኾም እዚ ዝቐረበ ክሲ መንግስቲ ፌደራል ዓቕሙ ከምዝተዳኸመን ብተወሳኺ እውን ተስፋ ከምዝቖረፀን መርኣዪ እዩ ብምባል ተዛሪቦም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG