ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ`ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተራእየ ግጭት፡ ልዕሊ 9,000 ሰባት ከምዝተአሰሩ፥ ብመንግስቲ ዝመሓደር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።
ብጽገናዊ ለውጢ ክሙገስ ዝጸንሐ መንግስቲ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ናብቲ ዝሓለፈ ብሓይሊ ዘመሓድር ዝነበረ ስርዓት ከይምለስ ዝብል ስግኣት `ውን ኣበጊሱ`ሎ።
ኣብታ ካብ መንጎ ዝያዳ ረገጽቲ ዝብሃላ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ዝነበረት ኢትዮጵያ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ከምጽእ ቃል-ዝኣተወ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ነቲ ሓሓሊፉ ዝትኮስ ዘሎ ዓሌታዊ ብሄረተኝነት ንምቁጽጻር ኣብ ምቅላስ ይርከብ።
ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ፈላማይ ናጻን ዲሞክራሲያውን ምርጫ ንምክያድ`ውን ቃል-ኣትዩ`ሎ።
ብዛዕባ`ዚ ዳሕራዋይ ማእሰርቲ ዝተሓተተት ወሃቢት ቃል ቀ/ሚ ኣቢይ ዝኾነት ቢል-ለነ ስዩም፡ ቀዳማይ ሓላፍነት መንግስቲ፥ ግዝኣተ- ሕጊ መታን ዕድል ክረክብ፥ ጸጥታን ርግኣትን ምርግጋጽ`ዩ ኢላ። ነቐፍቲ ግን ነቲ ዝሓለፈ ሕማቕ ከም ዘዘኻክሮም ይገልጹ።