ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዝተላዕሉ ሕቶታት ብዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ወግዓዊ ኮይኑ


ኣብ ክልል ደቡብ ይልዓሉ ዘለው ሕቶታት ብዝምልከት ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ መፅናዕቲ ዘካየደ ገለልተኛ ጉጅለ ውፅኢት መፅናዕቱ ሎሚ ረቡዕ ወግዓዊ ጌሩ።

በዚ መሰረት ድማ ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ 56 ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን በቲ ሕጂ ዘለዎ ክቕፅል ዝሓሸ መማረፂ ምዃኑ ኣፍሊጡ።እቲ ካልኣይ መማረፂ ድማ ደቡብ ናብ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ናብ ዝኾና ክልላት ክመቓቐል: እቲ ሳልሳይ መማረፂ ‘’ክልል ክንኸውን’’ ኢና ዝብሉ ሕቶታት ብጊዝያዊነት ክፀንሑ ምግባርን ዝብሉ ምዃኖም እቲ ጉጅለ ኣማሲዩ ኣብዝሃቦ መግለፂ ወግዓዊ ገይሩ።

ነቲ መፅናዕቲ ዘካየዱ ኣብዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ዝምህሩን ኣብ ካልኦት ትካላት ዝሰርሑን ክኢላታት ዝሓቖፈ ጉጅለ እዩ።ነቲ መፅናዕቲ ክካየድ ዝገበረ ገዛኢ ፓርቲ ናይቲ ክልል ናይ ደቡብ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምቅስቓስ /ዴህዴን/ እዩ ።

XS
SM
MD
LG