ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ህዝባዊ መሰረት ከይሕዝን ክኹለፍን ምንቅስቃስ ይኻየድ’ሎ ክብል ቤት ምኽሪ ኢህወዲግ ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ህዝባዊ መሰረት ከይሕዝን እንተተኻኢሉ እውን ክኹለፍን ዝፅዕሩ ሓይልታት ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ይገብሩ ኣለው ክብል ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣፍሊጡ።እቲ ቤት ምኽሪ ፅንፋዊ ብሄርተኝነት፤ስርዓት ኣልቦነትን ልዕልነት ሕጊ ዘይምኽባርን ፀገማት ሃገራዊ ሓድነትና እዮም ክብል ኣብቲ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ።ነቲ ለውጢ ንምቕፃልን ንምስፋሕን ንምርጫ ዝቐርብ ዘይኮነስ ሕቶ ህልውና ሃገር እዩ እውን ኢሉ።

180 ኣባላት ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ንኽልተ መዓልታት ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ትማሊ ድሕሪ ምዝዛሙ ዝበፅሖ መደምደምታ ዝምልከት ዘውጽኦ መግለፂ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣኼብኡ ኣፈፃፅማ ሃገራዊ መስርሕ ለውጢ ዝርከበሉ ደረጃንን ዝተፈፀሙ ፖለቲካውን ውድባን ስራሓት ገምጊሙ’ሎ።

ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ካብ ዝተዘራረበሎም ጉዳያት ሓደ ነቲ ለውጢ ኣብ ፈተና ዘውደቑዎ ብድሆታት ዝብል ይርከቦ።እቲ ለውጢ ህዝባዊ መሰረት ሒዙ ከይጉዓዝ እንተተኻኢሉ ድማ ክኹለፍ ዝፅዕሩ ሓይልታት ዝተዋደደ ምንቅስቓስ የካይዱ ምህላዎም ሓቢሩ።መን ምዃኖም ግን ኣየነፀረን።ምስዚ ተኣሳሲሩ ግን ጽንፈኛ ብሄርተኝነት፣ስርዓት ኣልቦነትን ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅ ፈተናታትን ፀገማት ሃገራዊ ሓድነትና እዮም ኢሉ’ሎ።

እዞም ፀገማት እዚኦም ብሓባራዊ ቕልጽም ብምፍታሕ እቲ ለውጢ ምቕፃልን ምስፋሕን ንምርጫ ዝቐርብ ዘይኮነስ ጉዳይ ቐፃልነት ሃገር ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ'ሎ።

ነቲ ለውጢ ዝፃብኡ ኣተሓሳስባታት ምዕራይን ምግታእን እዋኑ ዝሓቶ ቀንዲ ተልእኾ ምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብሪሁ።

ግጭታትን ዘይምርግጋእን እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝተዘራረበሎም ጉዳያት ኮይኖም መንቀሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን ዝኾኑ ብግልፂ ተፈሊዮም ብቕልጡፍ ክእረሙ ከምዘለዎም መንግስቲ እውን ሕጊ ናይ ምኽባር ቀንዲ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዘለዎ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ከምዝተብጽሓ መግለጺ እቲ ቤት ምኽሪ ይሕብር።

ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ክልላትን መሓውራተንን ናይ ባዕለን ሕገመንግስታዊ ግቡአን ክፍፅማ ኣንፈት ኣቐሚጡ’ሎ።ብሰንኪ ግጭት ናይ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ጉዳይ እውን ምይይጥ ተገይርሉ’ሎ።እቲ ፀገም ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ጎኒ ንጎኒ ተመዛበልቲ ናብ መነባብርኦም ክምለሱ ክስራሕ ከምዘለዎ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብ ርክብ ጉዳያት ወፃኢ ምስ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ባህላዊ፣ቁጠባውን ማሕበራዊን ምትእስሳራት ዘሐይሉ ዕድላት ጸቒጥኻ ኣብ ምጥቓም አሐይሉ ንምስራሕ ወሲኑ’ሎ።

ኣብ መንጎ ኣባላት ኢህወዴግን ዘሎ ርክብ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዘሎ ዴሞክራሲን ናይ ኣመራርሓ ሓድነትን ብዝምልከት እውን ሰፊሕ ምይይጥ ከምዝተኻየደሉ እቲ መግለፂ ይሕብር።

ኣብ መንጎ ኣሓት ውድባትን መሪሕነትን ይርአ ዘሎ ምጥርጣር ኣብ ምፍታሕ ናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ሓድነት ንምምፃእ ብዛዕባ ዝክኣለሉ መስርሕ’ውን እቲ ቤት ምኽሪ መኺርሉ’ሎ።ኣብዚ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ማእኸል ኣብ ዝገበሩ ጉዳያት ምርድዳእ ንምፍጣር ከምዝሰርሕ’ውን እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

በቲ ለውጢ ዛጊት ዝተመዝገቡ ዓወታት ዘስፍሑን ጉድለታት ዝእርሙን ምንቅስቓሳት ‘ግዜ ኣኺሉ’ ብዝብል መንፈስ ክፍፀሙ ከምዘለዎም ኣንፈት ኣቐሚጡ።

ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ተበፂሑሎም፣ኣንፈት ተቐሚጡ ብዝብል ኣብቲ መግለፂ ዝተጠቐሱ ነጥብታት ዝተወሰንሉ ኣገባብ ግን ብምሉእ ድምፂ ዘይኮነስ ብኣብዝሓ ድምፂ ምዃኑ መግለፂ ኢህወዴግ ሓቢሩ’ሎ።

መን ተቓዊሙ መንከ ደጊፉዎ ንዝብል ግን ብግልጺ ኣይተገልፀን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG