ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ጌድኦ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ 13 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ስድራቤቶም ሓቢሮም


Gedeo
Gedeo

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ጌድኦ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ 13 ሰባት ተኣሲሮም ክብሉ ስድራቤት ንድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ገሊጾም።

ምምሕዳር እቲ ዞባ ብወገኑ እቲ ዞባ ሰላማዊ ምዃኑ ገሊጹ ብፌደራል ሓይሊ ዕማም ድሕነትንን ጸጥታን ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ሰባት ከምዘለዉ ገሊጹ። ይኹን ደ ኣ እምበር ቁጽሮም ካብ ምግላጽ ተቆጢቡ'ሎ።

ሕቶ ክልልነት ዞባ ጌድኦ እንተዘይተፈቲሑ ብሓይሊ ከምዝኸውን ክንገብሮ ኢና ዝብሉ ብምስጢር ዝተወደቡ ጉጅለታት ምህላዎም ዘፍለጠ ፌደራል ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ህውከትን ዓመጽን ኣብ ዘለዓዕሉ ስጉምቲ ከምዝወስድ አፍሊጡ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG