ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቅ ሃረርጌ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 10 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቅ ሃረርጌ ወረዳ ጎሮጉቱ ብሓደጋ መኪና 10 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ሓሙሽተ ከቢድን ፈኹስን መቁሰልቲ ከምዘጋጠሞም ፖሊስ’ቲ ዞባ ኣፍሊጡ’ሎ።

እታ ናይ ህዝቢ መጉዓዝያ መኪና ካብ ጂጂጋ ናብ አዲስ አበባ ተምርሕ ከምዝነበረትን ግዳያት ድማ ኣብቲ ከባቢ ኣብ መርዓ ዝነበሩ ሰባት ምኻኖም ተገሊጹ’ሎ።

መራሕ መኪና ሃዲሙ ከምዝተሰወረን ፖሊስ ንምሓዙ ይጽዕር ከምዘሎ ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG