ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ መተከል ዝንቀሳቐሱ ሸፋቱ 14 ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ


ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ዳንጉር ዝንቀሳቐሱ ሸፋቱ ኣብ ጉዕዞ ንዝነበሩ 14 ሰባት ከም ዝቐተሉ ቤት-ጽሕፈት ጸጥታን ሰላምን`ቲ ክልል ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ `ቶም ዝሞቱ ሓደ ቻይናዊ ዜጋ ምዃኑ`ውን ተሓቢሩ`ሎ።

ድሕሪኡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ`ቶም ሸፋቱ ስጉምቲ ከም ዝወሰዱን ክልተ ካብኦም ከምዝተማረኹን ሓላፊ`ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ ጋሹ ዱጋስን ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG