ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝውስኽ ዘሎ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝትሓዙ ዘለው ሰባት ሻቅሎት ምፍጣሩ ተገሊጹ


አዲስ አበባ
አዲስ አበባ

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ መትሓዝቲ ኮሮናቫይረስ ምውሳኹ ሻቕሎት ይፈጥር ኣሎ።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝያዳ ዝውስኽ ዝነበረ ቁጽሪ ተተሓዝቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ናብ ዝተፈላለያ ክልላትን ከተማታትን ልሒኹ ወሰኽ የርኢ ከምዘሎ ሰብ-ሞያ ሕክምናን ሰበ-ስልጣንን ይሕብሩ`ለዉ። ንኣብነት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት እቲ ቁጽሪ ሕሙማት ወሲኹ ከምዝተራእየ ተሓቢሩ'ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብተመሳሳሊ ሰበ-ስልጣን ሞሮኮ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ መትሓዝቲ ኮቪድ 19 ወሲኹ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ`ውን ተራእዩ ብምባል ኣብ ወርሒ ሮመዳን ናይ ለይቲ ሕላፍ ሰዓት ኣዊጆም። ኣመንቲ እስልምና ኣብ ግዜ ጾም ቀትሪ ሰለ-ዘይበልዑን ዘይሰትዩን- ኣብያተ መግብን ካፈታትን ስርሐን ኣብ ናይ ለይቲ`ዩ ዝምርኮስ ኔሩ። እዚ ናይ ትማሊ ኣዋጅ ከምዝጎድአን ተገሚቱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG