ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምርጫ አሳታፊ ፍትሓዊን ዲሞክራሲያዊን ክኸውን ጻውዒት ቐሪቡ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምርጫ፣ ኣሳታፊ፣ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ክኸውን፣ መንግስቲን ዘይመንግስታዊን ትካላት፣ ንሲቪካዊ ማሕበራት ደገፍ ንክገብሩ፣ ኣብ’ቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያ መጸዋዕታ ኣቅሪቦም።

ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሰለፉ ትካላት ምስ ዝተፈላለዩ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ብዛዕባ ምርጫን ሰብኣዊ መሰላትን ንምልዛብ ኣብ ባህርዳር ከምዝተኣከቡ’ውን ሪፖርተርና ካብቲ ቦታ ዝለአኸቶ ዜና ይገልጽ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ካብ ክልል ሃረሪ ወጻእ ዝቅመጡ ተወለድቲ’ቲ ብሄር፣ ኣብ’ቲ ምርጫ ንክሳተፉ ንዘቅረብዎ ሕቶ ድሕሪ ምንጻጉ፣ ጉባኤ ሃረሪ ነቲ ውሳነ ተቃዊምዎ።

ቦርድ ምርጫ ግን፣ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተመርኮሰ እዩ ከምዝበለ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG