ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ተቐቲሎም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ መሪሖም ዝተባህሉ ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ዘንዘሊማ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብሓይልታት ፀጥታ ሎሚ ሶኑይ ተቐቲሎም።

ብካልእ ወገን ኣብ ናይ ቀዳም ፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ ቆሲሎም ዝነበሩ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ናይቲ ክልል ኣቶ ምግባሩ ከበደ ህይወቶም ከምዝሓለፈ መራኸቢ ማዕኸናት ዜና መንግስቲ ፀብፂበን።

ኣብ ባህር ዳር ይካየድ ናብ ዝነበረ ኣኼባ ጥሒሶም ዝኣተው ዕጡቓት ቶኺስ ከፊቶም ንፕረዚደንት’ቲ ክልል ዶ/ር ኣምባቸውን ኣማኻሪኦም ዝነበሩ ኣቶ ኣዘዘ ዋሴን ቀቲሎምዎም።ናይቲ ክልል ሓላፊ ፀጥታ ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ድማ መራሒ’ቲ ፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ ምንባሮም መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ይገልጻ ኣለዋ።

ድሕሪ እዚ ፍጻመ ድሕሪ ቁሩብ ስዓታት ሓላፊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ስዓረ መኮነንን ኣብ ጡረታ ዝነበሩ ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኣብ መንበሪ ገዛ ጀነራል ስዓረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሓላዊኦም ተቐቲሎም።ክልቲኦም መጥቓዕትታት ርክብ ከምዘለዎም ሰበስልጣን ገሊፆም ኣለው።

ይኹንን ደአ እምበር ምኽንያት ናይቶም መጥቓዕትታት ንፁር ኣይኮነን፤ተንተንቲ ግን ሚልሻ ንምጥያስ ብዝገበሩዎ ፃዕሪ ካብ ሓላፍነቶም ንምልዓል ተሓሲቡ ከምዝነበረ ይገልጹ።ጀነራል ኣሳምነው ኣብ 2009 ብፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ ንትሸዓተ ዓመታት ተኣሲሮም ድሕሪ ምፅናሕ ዝሓለፈ ዓመት ብምሕረት ምፍትሖም ይፍለጥ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ በቶም መጥቓዕቲታት ምስንባዱን ዝተሰምዖ ሓዘንን ገሊፁ’ሎ።ኣብ ልዕሊ እቶም ሰባት ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት የግልግሉዎ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ትካላትን ሃገሮምን ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እዩ ክብል’ውን መግለጺ ሂቡ’ሎ።እቲ ትማሊ ሰንበት ዝወጸ መግለፂ “ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ለውጥታት መንገዲ ብልፅግና፣ፖለቲካዊ ሓቋፊነትን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ኣሜሪካ ድጋፋ ክትቕፅለሉ እያ” ይብል ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እውን ብወሃቢ ቃሎም ኣቢሎም ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣውጊዞምዎ ኣለው።

መንግስቲ ኤርትራ ንዝተፈፀመ ቕትለት ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ መግለፂ ሓዘን ምልኣኹ ሚንስትር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብናይ ትዊተር መልእኽቶም ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG