ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ትማሊ ሶኑይ ዝተኣሰሩ ትሽዓተ ተቖፃፀርቲ ትራፊክ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ሶሉስ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።ኣድማ ብምትሕብባርን ቁጠባን ናይታ ሃገር መልዕን ዘበላሽው ተግባራት ፈጺሞም ብዝብል ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ፌደራል ፖሊስ ገሊፁ’ሎ።

ፌደራል ፖሊስ ኣድማ ኣተሓባቢሮምን ኣብታ ሃገር ጉድኣት ኣውሪዶምን ዝበሎም ትሽዓተ ሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለው።ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ተቖፃፅርቲ ትራፊክ ኣየር ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ እቲ ሕቶ ይኹን ኣድማ ናይ ኩላትና እዩ፤ኣድማ ንምክያድ ዝፈረምና 74 ሰራሕተኛታት እናሃለውና ትሽዓቲኦም በይኖም ንምንታይ ከምዝተኣሰሩ ኣይተረድአናን ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ኣየር ትራፊክ ተቐፃፃርቲ ማሕበር ፕረዚዳንት ኣቶ ፍፁም ጥላሁን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ መግለፂ እቲ ሰራሕተኛ ከቢድ ስራሕ እናሰርሐ ብቁጠባ ተረባሒ ኣይኮነን፣እቶም ሰራሕተኛታት ብኩነታት ተደፊኦም እዮም ናብዚ ኣትዮም ክብሉ ገሊፆም።

ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት ምቁፅፃር ትራፊክ ኣየር መሰሎም ስለዝሓተቱ ዝለዓለ ተፅዕኖ ይፍፀሞም ከምዘሎ፣ናብ ስርሖም ክምለሱ ዝኽእሉ ጥፍኣተኛታት ምዃኖም እንተድኣ ፈሪሞም ምዃኑ ከምዝተነግሮም፣እንተፈሪሞም ዝተኣስሩ ከምዝፍትሑ ኩሎም ምስ ፈረሙ ግን ሕዚ እውን ከምዘይተፈትሑን ገሊፆም ኣለው።2 መስከረም 2011 ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ቆፀሮ ከምዝተትሓዘ’ውን ካብ አዲስ አበባ ዝተረኽበ ጸብጻብ ይሕብር ።

XS
SM
MD
LG