ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ኢትዮጵያ ዝተናውሐ ድርቂ ስድራታት ናብ ጠርዚ ይድፍኦም ኣሎ' ዩኒሴፍ


ሁሴን ኣሕመድ ዝተባህለ ጓሳ ኣብ ዞባ ሸበሌ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ
ሁሴን ኣሕመድ ዝተባህለ ጓሳ ኣብ ዞባ ሸበሌ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ

አብ ኢትዮጵያ ክልላት ዓፋር፣ ኦሮምያን ህዝቢታት ደቡብን፣ ንሰለስተ ዓመታት ኣከታቲሉ ወሪዱ ዘሎ ዝተናወሐ ደርቂ ንህይወት ሰባትን ጥሪታትን ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቆ፣ ትካል ህጻናት ሕ/ሃ (ዩኒሴፍ) ኣፍሊጡ። ሎም ዘበን ጥራሕ ልዕሊ 6.8 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝናብ ብዘይምውቅዑ ጎዳጉዲ ማይ ነቒፆም፣እንስሳት ሞይተን፣ዘርእቲ ደሪቖም፣ኣማእቲ ኣሽሓት ቆልዑን ስድርኦምን ናብ ጠርዚ ይድፍኡ ኣለው። ክሳብ መፋርቕ መጋቢት 2022 ኣ\ፈ ልዕሊ 6.8 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ዩኒሴፍ ተንቢዩ ኣሎ።

ኣብ ሚያዚያ ዝናብ እንተድኣ ዘይወቒዑ ነገራት እናኸፍአ ክኸይድ እዩ ክብል ወሲኹ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ መግለፂ ዝሃቡ ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል UNICEF ጊያንፍራንኮ ሮቲግሊያኖ ፅልዋ ሕፅረት ምግብን ማይን ርኡይ እዩ ኢሎም።ብፍላይ ድማ ኣዚየን ኣብዝተሃሰያ ክልተ ክልላት ሶማሌን ኦሮሚያን ኢሎም።

‘’ድሮ ኣብዘን ክልላት ህፁፅ ሓጋዝ ምግቢ ዘድልዮም ኣስታት 220,000 ብሕፅረት ኣመጋግባ ዝተጠቕዑ ቆልዑን ልዕሊ 100,000 ነፍሰ ፁራትን ዘጥቡዋን ኣዴታትን ኣለውና’’ኢሎም ሮቲግሊያኖ። ‘’መጠን ሕሱም ሕፅረት ኣመጋግባ20 ምእታዊ እዩ።እዚ ብደረጃ ዓለም ካብዘሎ ዝለዓለ እዩ።15 ምእታዊ እዩ ዝግመት’’ኢሎም ብምውሳኽ።

ዩኒሴፍ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣርባዕተ ክልላት 850 ሽሕ ቆልዑ ብሰንኪ ግጭት፣ድርቂን ትሑት ቁጠባን ብከቢድ ሕፅረት ኣመጋግባ ክጥቁዑ እዮም ኢሉ።ሮቲግሊያኖ ብሕፅረት ኣመጋግባ ዝጥቅዑ ቆልዑ ብቕልጡፍ ዝኣትውሉን ዝግባእ ክንክርን ዝረኽቡሎምን ማእኸላት ብህፁፅ ክመሓየሹ ኣለዎም ኢሎም።

ኣብ ክልላት ሶማሌን ኦሮሚያን ልዕሊ 155,000 ቆልዑ ንስድርኦምን ጥሪቶምን ማይ ከምፅኡ ካብ ትምህርቶምከምዝቦኸሩ ዩኒሴፍ ገሊፁ ኣሎ።ካብ ትምህርቲ ዝቦኸሩ ቆልዑ ንምዝመዛ ዝተቓልዑ እዮም እውን ኢሉ።

እቲ ናይ ህፃናት ትካል ኣብ ኣርባዕተ ቆላታት ክልላት ኣብቶም ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሰባት ህይወት ኣድሕን ምግቢ ንምቕራብ ኣስታት 32 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ምፅንታ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG